ከም ዝፍለጥ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝለዓለ ብፅሒት ዘለዎ እንትኾን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ንምብፃሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናዘተየን ሓዱሽ መስርሕ ብምትእትታው እናሰርሐ ከምዝፀንሐ እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ዕላዊ መግለፂ ገሊፁ ኣሎ።
እቲ ሓዱሽ መስርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ወገናት ንምብፃሕን ክትትል ንምግባር ሓጋዛይ ክኾን እዩ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎ ድማ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ምእታው ጠጠው ካብ ዝብል ጀሚሩ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለውን፣ ሕፅረት ዝናብ ሲዒቡ ሓደጋ ድርቂ ኣንፀላሊዎ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ንዝኸፍኣ ሓድጋ ተገሊፁ ይርከብ።
ከም መግለፂ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዮኤስ ኤይድ እቲ ተቋሪፁ ዘሎ ድጋፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝቕፅል ወርሒ መጀመርታ ዳግም ክጅምር ከምዝኽእል ሓቢሩ ኣሎ ።
