ኣብዚ ዓመት ካብ መንግስቲ ኣፍልጦ ረኺቡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ዝተፈላለዩ ክፋላት ማ/ሰብ ንምቅላል ዝነጥፍ ዘሎ ትካል ምግባረ ሰናይ ቢላል ቦርድ ዝመርሖ ትካል ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ።
እቲ ትካል ብናይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምዝገባን ምሕደራን ዘይመትረፍቲ ትካላት ኣዋጅ ቁፅሪ 327/2011 ዓንቀፅ 15 ፍቓድ ረኺቡ ዝንቀሳቐስ ኮይኑ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል እጃሙ ከምዘበርክት ኣቦመንበር ቦርድ እቲ ትካል ጋዜጠኛ ዳሞራ ያሕያን ገሊፁ።
ኣካያዲ ስራሕ ቢላል ኤይድ ኣሚር ሳላሕ ብወገኑ ቀንዲ መጣየሺ ዕላምኡ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ብምትሕብባር ሃፍትን ጉልበትን ብምውዳድ ማሕብረ-ቁጠባዊ ፀገም ዘለዎም ስድራ ተጋደልቲ፣ ጉዱኣት ኲናት፣ስድራ ስውኣት ከምኡ እውን ጠዋሪ ዘይብሎም ሰብ ፀጋ ዕድመን ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ምሕጋዝን ካልኦት ተዛመድቲ ማሕበራዊ ንጥፈታት ምስራሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
ትካል ምግባረ ሰናይ ቢላል ህዝቢ ትግራይ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ፀገማት ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ኣፈላላይ ሃይማኖት ብዘይብሉ ብዝኸኣሎ ናይ ባዕሉ ብፅሒት ከምዝፍፅም ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።
