ትካል ምግበረ ሰናይ ልምዓትን ሓግዝን ኡሙ ኣይመን ንሓምሳ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ህፃውንት ብቆዋሚ ንምጥዋር ማእኸል ምግብና ከፊታ ስርሓ ጀሚራ።
ኣብቲ ሰነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ፕረዝደንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ ኣደም ዓብደልቃድር ትካል ምግበረ ሰናይ ኡሙ ኣይመን ተጀሚሩ ዘሎ ሰብ ኣውነት ዝሓትት ስራሕ ተጠናኽር ብምዃና ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ትግራዋይ እታ ትካል ኣብ ምጥንኻር ግድኡ ከበርክት ፀዊዖም።
እታ ትካል ማሕበራውን ቁጠባው ፀገማት ኣብ ምቅላል አናሰርሐ ከም ዝመፀ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ እታ ትካል ኣይተ ከድር ጣሂር እዚ ተኸፊቱ ዘሎ ማአኸል ምገባረ ሰናይ ናቱ መቀፀልታ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ብዘይ ኣፋላላይ ሃይማኖት 50 ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ህፃናትን ብቆዋሚ ንምሕብሓብ ብወርሒ 250 ሽሕ ተበጅቱ ስራሕ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።
እዞም ተጠወርቲ ምግቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓርሶም ዝጥውሩሉ ሞያዊ ስልጠና ከም ዝወሰዱ እውን ኣይተ ከድር ሓቢሮም።
ንትካል ምግበረ ሰናይ ኡሙ ኣይመን ብቆዋሚ ካብ ዝሕግዙ ግዱሳት ተጋሩ ዝኾና ወ/ሮ ኣኒሳ ኣደም ካብ ኣመሪካን ወ/ሮ መብራት ጊደና ካብ ስዑዲ ዓረብን ብኣካል ኣብቲ መድረኽ ተረኺብ ብዝገበረኦ ሓገዝ ዕግበት ሕልና ከም ዝወነና ብምግላፅ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ሓገዘን ኣበርቲዐን ከምዝቅፅላሉ ኣረጋጊፀን።
ተጠወርቲ ወገናት ብግደኦም ተስፈኦም ከም ዝለምለመ ብምሕባር ካልኦት እውን ኣሰር ምግባረ ሰናይ ኡሙ ኣይመን ክስዐቡ ፀዊዖም።






