ትዕዝብትን ምስክርነትን ትካል ሜሪስ ሚልስ (mary‘s meals) !
ኣብ ዝሓለፉ ዓመት ናብ ትግራይ እንትመፅእ ሕዚ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኮይኑ ዘሎ ቦታ ንስራሕቲ ልምዓት ኢንዳስትሪ ዝተኸለለ ቦታ እዩ ነይሩ ትብል ኣብ ሜሪስ ሚልስ ( mary‘s meals) ላዕለወይቲ ትሕዝቶ ኢዲተር ሾና ሼ።
ሎሚ ተመለሲ ኣብ መቐለ ንልምዓት ኢንዳስትሪ ክውዕል ተባሂሉ ዝተሓረየ ቦታ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ወገናት ኮይኑ ረኺበዮ ክትብል ገሊፃቶ።
ሕዚ ኣብቲ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ተረኺብና በቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ቅሉዕ ኩናት ስዒቡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ህፃናትን ስድራ ቤታትን ነቲ ኩናት ስዒቡ ብዝተኸሰተ ድርቂ ድማ ንክትሓስቦ ዝኸብድ ጥምየት ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ኣሎ ክትብል ሾና ሼ ትዛረብ።
ኣብቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝልምኑ ህፃናት፣ንዕለታዊ ዝብላዕ ንምርካብ ዝፅዕሩ ህፃናት ከምኡእውን ንቐፃልቲ ኣዋርሕ ንደቀንን ቤተሰበንን እንታይ ከምዘጋጥመን ዘይፈልጣ ዝጭነቓናን ኣዴታት ተዓዚብና ትብል።
ብሜሪስ ሚልስ ምግብና ፕሮግራም ንህፃናት ኣብቲ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከምዝተጀመረ ዝገለፀት ሾና ሼ ናብ ምህሮ ክምለሱ ተስፋ ዝገበሩ ህፃናት ከምዘለዎ ትገልፅ ።
ብካሊእ መዳይ ድማ ንእስክርቢቶን ደፍተርን መግዝኢ ስለዘይብሎም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይከዱ ህፃናት ከምዝትዓዘበት ድማ ሓቢራ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1 ሚልየን ተጋሩ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከምዘለውን ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ ትገልፅ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዝጠልብj እውን ብምሕባር ትዕዝብታ ገሊፃ ።
