እዚ ዝተገለፀ እታ ትካል መበል 30 ዓመት ምስረተኣ ብስራሕ ኣብ ኩሎም ጨናፍር ከምዝኽበር ኣካየዲ ስራሕ ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።
ዝተማለአ ግልጋሎት ፋይናንስ ብምሃብ መጠን ድክነት ህዝቢ ንምንካይ፣ ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ምንቕቃሕ ቁጠባን ዝብሉ ዝርከብዎም ራኢ ሒዛ ቅድሚ 30 ዓመታት ስራሕ ከምዝጀመረት ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ገሊፆም።
ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት 58 ቢሊዮን ብር ተገልገልታ ከምዝዓቆሩ ዝገለፁ ኣይተ ሙሉጌታ፣ ልዕሊ 33 ቢሊዮን ብር ንተገልገልቲ ከምዘለቀሐትን እቲ 41 ሚኢታዊ ድማ ኣብ ሕርሻ ዝወዓለን ልቃሕ ምዃኑን ተዛሪቦም።
ዝበዝሕ ተለቃሒ ማለት እውን 75 ሚኢታዊ ሓረስታይ ምዃኑ ዝገለፁ ስራሕ መካየዲ ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ፣ድሕሪ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም እውን 2.1 ቢሊዮን ብር ልቃሕ ከምዝሃበት ገሊፆም።
ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣክስዮን ማሕበር ንኲናት ጆኖሳይድ ትግራይ ስዒቡ ልዕሊ 6.8 ቢሊዮን ብር ዕንወት ከምዝበፀሓ ዝተገለፀ እንትኾን 2.3 ቢሊዮን ብር ወለድ ምሕረት ከምዝገበረት እውን ኣይተ ሙሉጌታ ገሊፆም።
ኣይተ ሙሉጌታ ኣብ ቀፃሊ እታ ትካል ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘለዎ መደብ ንምዕዋትን ናብ ባንኪ ንምዕባይን ካብቶም ትኹረት ዝግበረሎም ስራሕቲ ምዃኖም ኣመላኺቶም።
ብሸሞንተ ጨንፈራት ስራሕ ዝጀመረት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣክስዮን ማሕበር ፣ተበፃሕነታ ብምስፋሕ ናብ 201 ጨንፈራት ከምዝዓበየት ዝገለፁ ኣይ ሙሉጌታ፣ ብጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ከቢድ ዕንወት ከምዝበፀሓን 75 ሚኢታዊ ጨንፈራት ጥራሕ ናብ ስራሕ ከምዝተመለሳን ገሊፆም።
ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣክስዮን ማሕበር 29 ለካቲት 1983 ዓ/ም ብ 8 ጨንፈራት ስራሕ ከምዝጀመረት ይፍለጥ።
