Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ትካላት ተራድኦ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ዝነበረ ሓገዝ ጠጠዉ ክብብለኦ ምስሳነን ዉሳነአን ክኽልሳ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትግራይ ኣተሓሳሲበን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ናብ ትግራይ ዘቕርቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ሓገዝ ዝጠልብ ህዝቢ ከይበፀሐ ይጓሓል ስለዘሎ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠዉ ከም ዘበሎ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብርክት ዝበሉ ዉልቀ ሰባትን ትካላትን ድማ እዚ ዉሳነ ነቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ፀገም ዝያዳ ዘጋድድ ከም ዝኾነን ቀልጢፉ መፍትሒ ክግበረሉ ከም ዝግባእ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

15 ትካላት ተሓልቕቲ ሰብኣዊ መስል ትግራይ ኣብ ዘዉፀአኦ ሓበራዊ መግለፂ ድማ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ #USAIDን ትካል ምግቢ ዓለም #WFPን ናብ ትግራይ ዝልእኽኦ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ክብል ምውሳነን ህዝቢ ዝጎድእ ብምዃኑ ውሳንአን ክኽልሳ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን፡፡

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝልእኽኦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ክብል ምውሳነን ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእን ብኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ክኣቱ ዝገብር ውሳነ ብምዃኑን ዳግም ውሳነአን ክኽልሳ ከምዝግባእ 15 ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትግራይ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ጥምረት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፣ኦምና ትግራይ፣ድሕንነትን ፍትሕን ንተጋሩ፣ፎረም ሰብኣዊ መሰል ትግራይ፣ሲቪል ማሕበረሰብ ኢሮብ ኣኒናን ሌጋሲ ትግራይን ዝርከብዎም 15 ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዋና ዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ደብዳበ ፅሒፎም፡፡

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ናብ ትግራይ ዝልእኾ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ ነቲ ሓገዝ ዝጠልብ ዘሎ ማሕበረሰብ ከይበፀሐ ይጠፋፋእ ኣሎ ብዝብል ጠጠው ኣቢለዮ ምባሉ ልክዕ ከምዘይኮነን ነቲ ብኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ብዝገደደ ዝጎድእ ስለዝኾነ እቲ ውሳነ ዳግም ክኽልሶ ብደብዳበ ሓቲቶም፡፡

እቲ ተጓሒሉ ዝተብሃለ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፃረ ከምዝግባእ ዝጠቐሰ ደብዳበ እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ይኹን እምበር ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ከይበለ እቲ ምርመራ ክካየድ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እቶም ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ንኽረክብ ምስ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ብሓባር ንምስራሕ ቕሩባት ምዃኖም እውን ኣብ ደብዳቤኦም ኣስፊሮም፡፡



Sorce, TigraiTv

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *