- መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሚድያታቱ ዝመሓላለፎ ውሽጣዊ ትእዛዝ- ንኤርትራ
- ሱዳን ምስ ኤርትራ ዲፕሎማሲ ርክባት ንምታይ ብቅፅበት ይሕይል ኣሎ?
- ህዝቢ ዘይወደአ ዘይውዳእ ስብሰባ ህወሓት
- ፖለቲካ ትግራይን ጎሮባብቱን – ሽርሒ ዓዲ 4
1 ) መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሚድያታቱ ዝመሓላለፎ ውሽጣዊ ትእዛዝ- ንኤርትራ
ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ኢትዪጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓዱሽ ፖለቲካውን ድፕሎማስያውን ቅርፂ ምፍጣሩ ኣይተርፍን።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሰልጣን ዘመኑ ታሪክ ዝዝክሮ ስራሕ ንክፍፅም ካብ ምህቃን ወፃኢ ኣይኮነን። መራሕቲ ኢትዮጲያ ኣብ ታሪክ ዝዝከርሉ ፍፃመ ይዕበ ይንኣስ ነናይ ባዕሎም ኣለዎም።
ሃፀይ ምኒሊክ ግዝኣት ኢትዮጲያ ሴሜን ቀኒሱ ናብ ደቡብ ብምስፋሕ እታ ናይ ሐዚ ኢትዮጲያ ፈጢሩ ክይዱ እዩ። ቅርፂ ሃገር ኣቲሒዙ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ሰረት ዘቀመጠ እዩ።
ሃፀይ ሃይለስላሰ እንተኮነ ካብ ኢትዮጲያ ተቆሪሳ ሃገር ዝኮነት ኤርትራ ኣብ መድረክ ዓለም ብምቅላስ ብፌደረሽን ናብ ኢትዮጲያ ዝመለፍ መራሒ ነይሩ። ፕረዚዳንት መንግስቱ ሃይለማራም ድማ ስርዓት ሃፀይነት ካብ ስሩ ሚሑዩ ኮሚኒስት ስርዓት ክተክል ፈቲኑ እዩ።
ጠቅላይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ከዓ ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ተኪሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ሃኒጹ እዩ። ኣባይ ግድብ ክግድብ ድፊሩ ዝጀመረ ኣቦ ልማዓት መራሒ እዩ። ዓበይቲ ሃገራዊ ትካላት እውን መስሪቱ እዩ።
በዙይ መነፅር ኣብይ ኣሓመድ ታሪክ ብኣውንታዊ መልክዑ ብምንታይ ክዝክሮ ይክእል ዝብል ሕቶ ን ኣብይ ከተረፈ ዘጭንቆ ሕቶ እዩ።
ነዚ ሕቶ ንምምላስ ብዝመስል ኢትዮጲያ ናይ ባዕላ በሪ ባሕሪ ክህልዎ ክገብር እየ ዝብል ካብ ኣብይ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ዝሩያ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ከቢድ ስግኣት ኮይንዎን ይርከብ።
ሓለፊቲ መንግስቲን ሚድያታትን ኢትዮጲያ ስለ በሪ ባሕሪ ኣድላይነትን ግቡኡነትን ዓው ኢሎም ክዛረቡ ፀኒሖም እዮም። ኢትዮጲያ ብታሪክ ይኩን ብመፃኢ ፖለቲካ መነፅር በሪ ባሕሪ ክህልዎ ግቡእን ፍትሓውን ምኳኑ ብሓለፍቲ መንግስቲ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
ስዒቡ ድማ ኣብ ኤርትራ ስግኣትን ቁጠዐን ፈጢሩ እዩ። መራሕቲ ኤርትራ ብግልፂ ቋንቋ መንግስቲ ኣብይ ኪሑዱና ፡ ከምዝክሕደና ንፈለጥ ነይር ክብሉ ተደሚፆም እዩም። ካብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝመጽእ ኲናት ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያዊን ኣገባብ ንምብርዓን ሰፋሕቲ ምንቅስቃሳት ብኤርትራ መንግስቲ እናተገበረ እዩ።
ምስ ሃገራት ስዱን፡ ሶማልያ ፡ ጅቡቲ፡ ሳውዲ ዓረብያን ግብፅን ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ፀጥታን ልምዓትን ምትሕግጋዝ ዘትኮረ ርክባት ብጥንኩር ክትሰርሕ ፀኒሓን እናሰርሐትን እያ ኤርትራ።
መንግስቲ ኤርትራ ብካልእ መዳይ ድማ ኢትዮጲያ ኣብ ውሽጣዊ ጎንፂ ክትፅመድን ናብ ባሕሪ ገፃ ዘወር ከይትብል ውሽጣዊ ጎንፂ ምጉህሃርን ምድጋፍን ከም ሓደ ስልቲ ገይሩ ወሲድዎ ኣሎ።
እዚ ናይ ኤርትራ ቁጠዐን ሓዱሽ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቃስን ወሳኪ ናህሪ ዝኮነ ቁሉዕ ፕሮፖጋንዳ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጲያ ንምዝሕሓል ዝዓለመ “ ምስ ኤርትራ ናብ ኲናት ኣይናኣቱን “ ክብል ኣብይ ኣሓመድ ተደሚፁ።
ኣብይ ኣሓመድ ስልቱ ዝቀየረ ይመስል። ብቀጥታ ኣብይ ኣሕመድ ዝቆፃፀረን ሚድያታት ኢትዮጲያ ብውሽጢ መልእክቲ ተነገሩውን እዩ። ምስ ኤርትራ ናብ ህልክን ውጥጥን ዘእቱ ሕቶ ባሕሪ ከየልዕላ ዘጥንቅቅ እዩ።
ኢትዮጲያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ብተግባር ንምምላስ ናይ ትግራይ ሕቶ፡ ዘይመለሰት፡ ውሽጣዊ ኲናት ፋኖን ኦኖግን ዘይፈትሐት ምስ ኤርትራ ዝግበር ኲናት እሞ ድማ ቡዝሓት ዓለም ለካውን ዘባውን ኢድኣዳውነት ኣብ ዘለዎ ዞባ ዕውት ኲናት ተካይድ ዶ ዝብል እምብዛ ኮይኑ ጭቡጥ መልሱ ግና ግዘ ዝምልሶ ይኸውን።
ትግራይ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪካ ዝግበር ሓዱሽ ጂኦ ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ስሕበት ምኳና ኣይቀርን። ነዙይ ምኳኑ እዩ ካብተን ዓርሰን ዝካኣላ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብዘይንእኣስ ዓበይቲ ድፕሎማሰታት ናብ ትግራይ ክውሕዙ ዝረአ። እዚ ናብ ጭቡጥ ረብሓ ትግራይ ዝቅይር ስትራተጂካዊ መሪሕነት ትግራይ ምህላው ቁልፊ ዩ። ኣብ ትግራይ ስትራተካዊ መሪሕነት ሓጓፍ ምህላው ብተደጋጋሚ ዝተገለፀ ኮይኑ ነዙይ ዝፈጥር ባይታን ከይድን ምፍጣር ናይ መንግስቲ ግደ ልዑል እዩ። ግምት ነዚ ተረዲኡ ንተግባራውነቱ ክተግህ ይግባእ።
2 ) ሱዳን ምስ ኤርትራ ዲፕሎማሲ ርክባት ንምታይ ብቅፅበት ይሕይል ኣሎ?
ሱዳን ይኩን ኤርትራ ካብቲ ዝፀንሐ ጂኦ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝተፈለየ መልኩዑ ብሓዱሽ ዝምድና እናፈጠራን ብቅፅበት ርክባተን እናጠናከራ ይርከባ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን ፕረዚደትን ኣልቡርሃን ሓምዶክ ናብ ኤርትራ ብዝተፈለየ ዕላዊ ምብፃሕ ገይሩ ነይሩ። መራሕቲ ኤርትራ እውን ብሕቡ ክመክሩን ርክባቶም ከጠናክሩን ምፅነሖም ይፍለጥ።
መበገሲ ናይዚ ሓዱሽ ዝምድና ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዘሎ ናይ ዛባዊ ጎብለል ንሕንሕ ተቀፅላ እዩ።
ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ሃገራት ሳውዲ ዓረብያን ዓረብ ኢሚሬትን ጎብለል ተናሓናሕቲ እየን። ኣብ ዙርኤን ድማ ሃገራትን ውዳበታትን ትካላትን ከስልፋ ዝፅዕራ ሃገራት እየን። ክልቲአን ሃገራት ካብ ምዕራባውያን ሰፊሕ ድጋፍ ዝግበረለን እየን። ናይቲ ዞባ ጎብለል ንምኳን ድማ ክልቲኤን ተነሕናሕቲ እየን። ብኢኮኖሚ እውን ኣብቲ ዞባ 1ይን 2ይን ዝስራዓ እየን።
ሳውዲ ዓረብያ ሱዳን ፣ ኤርትራን ግብፅን ዘሰለፈት እንትኮውን ኢምሬትስ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ናይ ሱዳን ድማ መሓመድ ድጓሎ ዝመረሖ ዓማጺ ጉጅለ ፣ ኣብ የመን ዝርከብ ዓማፃ ሁቲ ዘሰለፈ እዩ።
ኢትዮጲያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ኤርትራ እትገብሮ ኲናት ብቀሊሉ ዝረአ ኣይከውንን። ሳውዲ ዓረብያ፡ ግብፂን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያ እየን። ኣሜሪካ ከ ኣንፃር ኤርትራን ድሕሪ ኤርትራ ዘለዋ ሃገራት ጠጠው ብምባል ንኢትዮጵያ ትድግፍ ዶ ዝብል ካልእ ሕቶ እዩ።
3 ) ህዝቢ ዘይወደአ ዘይውዳእ ስብሰባ ህወሓት
ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ብሃንቀውታ ይፅበ ኣሎ። ህወሓት ሕመቁ ቀሪፉ መዓዝ ይክሕሰና ይብል ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ብቡዝሓት ዝተደራረቡ ፀገማት ተዋሒጡ ይርከብ። ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፀገም ሰፊሕን ዓሚቁን እዩ። እቲ ፀገም ብህወሓት ይፍታሕ ዶ ዝብል ሕቶ ካልእ ኮይኑ እንተ ህዝቢ ትግራይ ግን ውድበይ ኢሉ ዘይፀግቦ ህወሓት ካብቲ ፀገም ከናግፎ ሐዚ እውን ብሃንቀውታ ይፅበ ኣሎ።
ተስፋ ዝቆረፀ መንእሰይ ኣብ ጠላዕን ሱሱን ተዘፊቁ ካብ ኢድ ውለዱን ዓዱን ዝነጠቀን ገንዘብ ኣብ ጠለዕን መስተን የፍስሰን ኣሎ። ገንዘብ ንምርካብ ይሕድግ፡ ሃንግ ይገበር ናይ ገበን ፍልፍል ኮይኑ ይርከብ።
ገሊኡ ድማ እግረይ ናብ ዝመርሐኒ ብምባል ስደት መሪፁ ይውሕዝ ኣሎ። ዋሕዚ ስደት መንእሰይ ትግራይ ኣዚዩ መተሓሳሰቢ ብርኪ በፂሑ ይርከብ። ናብ ስደት ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ፎቆዶ በረካታት ሳህራን ዓረብን ኣደዳ ሸፋቱን ጥሜትን ቀለብ ዓሳን ብምኳን ኣብ መንገዲ ይሃልቅ ኣሎ። ካብ ጆኖሳይድ ዘምለጠ መንእሰይ ትግራይ መሬት ፀልሚትዎ ተስፋ ቆሪፁ ካብ ዓዱ ይበርስ ኣሎ። መንእሰይ ዘየብላ ትግራይ መፃኢኣ መሰከፊ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ምስ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተውፃእፅኡ ማሕበረሰብ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ፣ሳዕቤናቶምን መፍትሒታቶምን ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ኣዳልዩ ነይሩ።
ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ 34 ሽሕ ካብ ትግራይ ዝወፁ እንትኾን ናይዚ ቀንዲ ምኽንያታት ተባሂሎም ዝተቐመጡ ድማ ስእነት ስራሕ፣ ጥሜት፣ዘይምርግጋእ ፖለቲካ፣ ብመንግስቲ ጭቡጣት ፕሮጀክትታት ዘይምዝርጋሕ፣ተስፋ ምስኣንን ካልኦትን እዮም።
ህዝቢ ትግራይ መሬቱ ብወረርቲ ሓይልታት ተመንጢሉ ፈቆዶ መዕቆቢ ተደርቢዩ ፅባሕዶ ሎሚ ናብ መረበተይ ይምለስ ብምባል መስካሕኽሒ ህይወት የሕልፍ ኣሎ። ትምህርቲ ዝሓሮሞም ህፃናት እንትሕሰብ ኣብ መጻኢ ትግራይ ከቢድ በሰላ ዝፈጥር እዩ።
ድርቂ ድማ ካልእ ሕማም ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ብዙሓት ከባብታት ትግራይ ከቢድ ድርቂ ኣጋጢሙ እንስሳ ዝብላዕ ዝስተ ሲኢነን ይሞታ ኣለዋ። ህዝቢ ብራሃብን ሕማምን ይሳቀ ይሃልቅ ኣሎ።
ኣብ ሓንቲ ወረዳ ኣፅቢ ኣብነት ምውሳድ ይከኣል። ዛጊድ ኣብታ ወረዳ ብዘጋጠመ ድርቂ 111 ሰባትን 350 ከፍትን ሞይቶም ኣለው። ብዘይካ እዚ ሎሚ ቅነ ብዝተገበረ ዳህሳስ ጥራይ 3695 ኣዴታትን 97 ህፃናትን ብሰንኪ ዋሕዲ ምግቢ ኣብ ኣፍደገ ሞት ምህላዎም ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ድርቂ ኣብ ትምህርቲ እውን ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕዲሩ ኣብዚ ዓመት ክምዝገቡ ዝግበኦም 8900 ተምሃሮ ከይተመዝገቡ ከም ዝተረፉ፤ ካብ ቀረባ መዓልቲታት ንነዘ 878 ተምሃሮ ትምህርቶም ከም ዘቋረፁን ካልኦት 99 ሰገናት ተምሃሮ ድማ ቡሖሎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብተላባዲ ሕማም ይሳቐዩ ከም ዘለው ዝወፀ ሓበሬታ የቃልዕ።
ወረዳ ኣፅቢ ከም ኣብነት ተልዓለ እምበር እቲ ድርቂ ኣብ ቡዝሓት ወረዳታት ትግራይ እዩ ኣጋጢሙ።ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ትግራይ፣32 ወረዳታት፣196 ጣቢያታት ጥምየት ብስፍሓት ከምዘጋጠመ ይፍለጥ ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቅን ጥምየትን ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ዘተ ገይሩ እዩ። ገበርቲ ሰናይ ትካላት 20 ሚኢታዊ ጥራሕ ንሙከራ ብዝብል ሓገዝ ከምዝጅምሩ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ በይኑ እኩል ኣይኮነን።
ትግራይ ተሰኪማቶ ዘላ ፀገም ዘርዚርካ ዝወዳእ ኣይኮነን። ኣዚዩ ብዙሑን ዝተሓላለከን እዩ።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓፅባን ፀልማትን ግዘ ምንባር ሕሱም እዩ።
ነዚ ፀገም ክፈትሕ ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝገበረሉ ውድብ ህወሓት እዩ። ብዙሓት መዓልትታት ዘቁፀረ ኣኬባ ህወሓት ፍረ ይህብዶ ብዘይ ፍረ ይክንበት ዝብል ናይ ቡዝሓት ሕቶ ኮይኑ ይርከብ ።
ውድቀት ትግራይ ዝምነዩ መዓት እዮም። ውድቀት ህወሓት ምስ ውድቀት ትግራይ ድማ የተሓሕዝዎ። ንምንታይ ሲ ኣብ ትግራይ ካብ ህወሓት ወፃኢ ዘይሽፈን ናይ መሪሕነት ሓጓፍ ኣሎ ብምባል እዩ። ንህወሕት ዝተክእ ውዳበ ትግራይ ኣይጥረየትን። እቶም ውድቀት ትግራይ ዝምነዩ ስብሰባ ህወሓት ብዘይፍረ ክኽንበት ድማ ይብህጉ።
ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለው ንስልጣኖምን ከርሶምን ዘቅድሙ እውን ስልጣኖም ንምቅናይ እቲ ኣኬባ ብዘይፍረ ክብተን ከምዝብህጉ ፍልፍላትና ይሕብሩ። እዚ ሓይሊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኳሻሕ እምበር ምእንተ ትግራይን ተጋሩን ኣይኮነን። ምእንተ ስልጣንን ውልቃዊ ጥቅማጥቅምን እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝተደራረበን ዝተሓላለከን ዓሚቅ ፀገም ጥሒሉ ስለ ውልቃዊ ስልጣንን ናይ ከርሲ ጥቅምን ዝሓስቡ መራሕቲ ሕንከት የብሎምን። ናይዚ ስብሰብባ ፍረ ውፂኢት ግዘ ዝምልሶ ኮይኑ እቲ ውድብ በቲ ሐዚ ዘሎ ኣመራርሓ እንትቀፂሉ ትግራይ ምሕረት የውርደለ እዩ ዘበል።
4 ) ፖለቲካ ትግራይን ጎሮባብቱን – ሽርሒ ዓዲ 4
መሪሕነት ትግራይ ክሳብ ሐዚ ንፁር ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኣንፈት የብሉን። ቅድም ክብል መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝብል ዕምቆት ዘየብሉ ፈከራ ብምልዓል፡ ሐዚ ድማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ይፈፀም ዝብል ተደጋጋሚ ፃዊዒት ብምግባር እምበር ጥር ትብል ሓዱሽ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ፅርግያ የብሉን። መሪሕነት ትግራይ ብደጋውን ውሽጣውን ፅገማት ተወሒጡ ካብ ምጭናቅን ዘየሳግር ፋሕጠርጠር ወፃኢ ነቲ ፀገም ዝፈትሕ ቅርፅን ራኣይን የብሉን።
ኣብዛሓ ትግራዋይ ዓዲ 4 ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት እምነት ኣለዎም ብዝብል ትፅቢት ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሳና ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክፈጥሩ ይኮኑ ብዝብል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ስቃይ ህዝቢ ብምስካም ዋላ ተተፀበዮም ንሶም ግና ነዚ ድልዋት ዘይምኳኖም ብግብሪ የሪኢዩ ኣለው።
ሕገ መንግስቲ ጥሒሶም መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታ ክፀንሕ ብግብሪ ፈቂዶም ኣለዎ።
ድሌቶም ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ዘሎ ፀገም እናመዝመዙ ኣይሰላም ኣይኩናት ክቅፅል ብምግባር ስልጣኖም ምንዋሕ ምኳኑ ኣብ ሕድሕድ ዕለታዊ ምንቅስቃሳቶም የረጋግፁ ኣለው።
ዓዲ 4 ንፌደራላዊ ምሕዝነት ድሉዋት ካብዘይኮኑ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ብሰላም ክንነብር ምስ ጎረባቢቲ ሰላም እንፈጥረሉ መንገዲ ክንሓስብ ይግባእ።
መሬት ትግራይ ከም ምንጪ ጎንፂ ገይርካ ኣብ ስልጣን ምቅናይ ዝሐሸ መንገዲ ኢሉ ዝኣመን ሓይሊ ፍሹል ስልቲ ዝተከተለ ምኳኑ ብግልፂ ዲፕሎማስያዊ ቋንቋ ክንገሮ ይግባእ። ብቃልሲ እምበር ብምቅብጣር ዝረገጋፅ ረብሓ ትግራይ ከመዘይለ ክንፍልጥ ይግባእ።
