ዝካየድ “ዓባይ ሰሉስ” (ሱፐር ትዩስደይ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ሓያለ ክፍለሃገራት ዝካየድ ናይ ምድማጽ መስርሕ ትራምፕ ነቲ ዛጊት ረኺብዎ ዘሎ ደገፍ ዝድምድም ዓወት ክጓናጸፍ ዕድል ፈጢሩሉ ኣሎ።
ክረምቲ ከይኣተወ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ሰልፊ ሪፓብሊካን ምዃኑ እንተ ኣረጋጊጹ ድማ፡ ኣድህቦኡ ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዘሎ ጆ ባይደን ከነጻጽር ትጽቢት ይግበረሉ።
ሄሊ ግን፡ ዋላ’ኳ ኣብቶም ዛጊት ዝተኻየዱ መረጻታት ብገፊሕ ክትስዓር እንተጸንሐት፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ሜዳ ውድድር ክትቅጽል ምዃና’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።
ምናልባት፡ ትራምፕ ብውሳነ ቤትፍርዲ እንተ ተኣጊዱ ዝብል ትጽቢት እንተነይሩዋ ግን ድሕሪ ናይ ሎሚ ፍርዲ ንውሳኔኣ ክትቅይሮ ከምእትኽእል’ዩ ዝግመት።
ኣብ 2016 ናብ ስልጣን ዝደየበ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጆ ባይደን ምስዓሩ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዋሕጠሉ’ዩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንካልኣይ እብረ ስልጣን ክወዳደር ተመሊሱ ዘሎ።
ዋላ’ኳ ዕድሚኦም ኣቓልቦ ብዙሓት ደገፍቶምን ጸላእቶምን ዝሰሓበ እንተኾነ፡ እዞም ዓበይቲ ዓዲ ዳግማይ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ንመንበረ ስልጣን ዋይት ሃውስ ፖለቲካዊ ቅልስ ክገጥሙ’ዮም።
ወዲ 81 ኮይኑ ዘሎ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ድሮ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ’ሎ። እንደገና እንተ ተመሪጹን ካልኣይ እብረ ብህይወት እንተወዲኡን ድማ ወዲ 86 ምስኮነ’ዩ ካብ ስልጣን ክሰናበት።
ወዲ 77 ትራምፕ ብወገኑ፡ ዕድመ ወሳኒ ኣይኮነን ዝብል ምጉት’ኳ እንተቕረበ፡ ባይደን ግን ኣኽፊኡ ብምባል’ዩ ንብቕዓት መቐናቕንቱ ከነኣእስ ዝስማዕ።
ትራምፕ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ጉዳይ መረጻ ሕጋዊ ዓወት እንተረኸበ፡ ብሓያለ ካልኦት ክስታት ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለስ ምህላዉ ይፍለጥ።
