ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ኣብ ትግራይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ህፃናት ፣ ነፍሰፆርን መጥቦብትን ኣዴታት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ዕላዊ ገይሩ ።
ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ትግራይ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2015 ዘካየዶ ዳህሳስ መበገሲ ገይሩ ኣብ ዘሐተሞ ቡለቲን ኣብ ትግራይ ብሕፅረት መግቢ ዝጥቅዑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ፣ ነፍስፆር ን መጥቦብትን ኣዴታት ሂወቶም ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ምውዳቑ ኣረጋጊፁ ኣሎ ።
እቲ ትካል ከምዝገለፆ ውሱን ሓገዝ ንምሃብ እንተፈተን’ውን እቲ ሽግር ስፍሓት ስለ ዘለዎ ዝተጠናኸረን ቅልጡፍን ደገፍ ክግበር ከምዝግባእ ለበዋ ኣቕሪቡ ኣሎ ።
ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ካብ ዝብል ኣዋርሕ ዘቑፀረ ኮይኑ ዛጊድ ብዝተረጋገፀ መረዳእታ ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወገናት ብጥምየት ሂወቶም ስኢኖም ኣለው።
ብፍላይ እቲ ሞት ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዝዕድመኦም ህፃናት ፣ ዓቕሚ ኣልቦ ኣረጋውያንን ነፍሰ ፁር ኣዴታትን ሙኻኑ ኮምሽን መጠንቀቕታን ሓደጋ ድልውነትን ትግራይ ይገልፅ።
