Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ትንተና/Analysis
0

ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቘንፂ

መቓብር ሚስዮናዊ ላገር (ብ1909 ዝተላዕለ ስእሊ)
መግለጺ ስእሊ, መቓብር ሚስዮናዊ ላገር (ብ1909 ዝተላዕለ ስእሊ)

23 ሰነ 2024

እቲ ዘበን፡ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ኣብ ሓያል ውድድር ዝተጸምድሉ፡ ሃጸይ ቴድሮስን ዮሃንስን ንመረብ-ምላሽ ንምግዛእ ዝቆራቖሱሉ፡ ግብጻውያን ገዛእቲ ነቲ ጉዳይ ክምዝምዙ፡ ውግእ ወኪ-ዱባ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ደግያት ሃይሉ ተወልደመድህን (በዓል ጸዓዘጋ) ብደገፍ ሃጸይ ቴድሮስ ተመዚዞም ገዛኢ መረብ-ምላሽ (ሓማሴን/ሰራየ) ክዀኑ ተሾሙ። ደግያት ሃይሉ ድማ ብግደኦም ንራእሲ ወልደሚኪኤል ዝበዝሐ ክፋል ሓማሴን ንኸማሓድሩ መዘዝዎም።

ስለዚ ብዓንተቦኡ ኣብ ሞንጎኦም ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ኣብ ሓድሕዶም ዝርአ ዝነበረ ህልኽን ውድድርን ካብ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነቐለ እዩ ነይሩ።

ንሓዲኦም ኣውሪዶም ነቲ ሓደ ብምሻም ኣብ ርክባቶም ውጥረት ይፈጥሩሎም ነበሩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ገዛእቲ ግብጻውያን ብሻርነት ነቲ ግጭት ኢዶም የእትዉሉ ነበሩ።

ብ1868፡ ሸሞንተ ዓመት ቅድሚ ውግእ ጉራዕ፡ ደግያት ሃይሉ ብ1868 ብትእዛዝ ካሳ መርጫ ( ንጉስ ዮሃንስ 4ይ ቅድሚ ምዃኖም) ምስ ተኣስሩ፡ ራእሲ ወልደሚኪኤል ሰሎሞን (በዓል ሃዘጋ) ገዛኢ ሓማሴን ንክዀኑ ተሾሙ።

ደግያት ሃይሉ ደጋፊ ሃጸይ ቴድሮስ ከም ዝነበሩ ይዝንተወሎም’ዩ። 

ንሶም ብ1858 (ዓሰርተ ዓመታት ቅድሚ ምእሳሮም ማለት’ዩ) ንሃጸይ ቴድሮስ ወኪሎም ኣንጻር ደግያት ኣገው ንጉሰ (ካልእ መጸውዒኦም፡ ደግያት ንጉሰ ወልደሚኪኤል) ኣብ መሬት ሓማሴን ከም ዝተዋግኡ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። 

ደግያት ኣገው ንጉሰ ናይ ቀረባ ዘመድ ደግያት ዉበ ሃይለማርያም ዝነበሩ ዀይኖም፡ ንስልጣን ሃጸይ ቴድሮስ ዝቃጸጹ ዝነበሩ ሹመኛ እዮም ነይሮም።

ኣብ ኣጋ ምውዳቕ ሃጸይ ቴድሮስ፡ ደግያት ሃይሉ መርገጺኦም ለወጡ። ሓገዝ ንክረኽቡ ጸግዒ ግብጻውያን ሓዙ። ጸኒሖም ከኣ ምስቲ ዝኣሰሮም በዓል ስልጣን – ካሳ መርጫ (ድሒሮም ንጉስ ዮሃንስ) – ጸግዒ ሓዙ።

ደግያት ሃይሉ ንሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሮም ምስ ተፈትሑ ንጉስ ዮሃንስ ከም ብሓድሽ ንራእሲ ወልደሚኪኤል ኣልዮም ንደግያት ሃይሉ ናብ ስልጣኖም መለስዎም። ሽዑ እቲ ኣብ ሞንጎ’ቶም ተቐናቐንቲ ስልጣን ዝነበረ ምትፍናን መሊሱ ተወዓወዐ።

ሚስዮናውያን ኣብ ዘመን ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን

ደግያት ሃይሉ ኣብ ልዕሊ ሚስዮናውያን ዝነበሮም ኣመላኽታ ደሓን ከምዝነበረ ይንገር። 

እቶም ሚስዮናውያን በቲ እወታዊ ኣመላኽታ ደግያት ሃይሉ ተስፋ ረኺቦም ኣብ ከበሳ መደበራት ክተኽሉ ጀመሩ። ሓደ ካብቶም ወንጌል ኣብ ምዝርጋሕ ተጊሆም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሚስዮናዊ ፐር ኤሪክ ላገር ይበሃሉ።

ፐር ኤሪክ ላገር ሓኪም ስለ ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ጽቡቕ ምርድዳእ ይገብሩ ስለዝነበሩ፡ ኣብ ከበሳ ወንጌል ንኽምህሩ ተፈቕደሎም።

ወንጌላዊ ላገር ብመንፈሳዊ ስርሖም ዋላ’ኳ ይሰጕሙ፡ እቲ ኣብ መንጎ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚኪኤልን ዝነበረ ምፍሕፋሕ ከም ዘይደቀሰ ይርድኦም ነበረ።

እቲ ግዝያት ራእሲ ወልደሚኪኤል ስልጣኖም ስለ ዝተሓድጉ ንደግያት ሃይሉ ከጥቅዑ ዝሸባሸብሉን ዝተበገሱሉን እዋን ነይሩ።

ሚስዮናዊ ላገርን መሳርሕቶም ቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይን በቲ ዝነበረ ኵነታት ኣይቀሰኑን፤ ነቲ ዘይቅዱው ኵነታት ጸዓዘጋን ሃዘጋን ብቐረባ ንኽዕዘቡ ናብ ጎዶቦ ዓዲ – ኣብ ዓዲ ቘንጺ – ገጾም ተንቀሳቐሱ።

ቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይ (1846-1876)፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መስረትቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ’ዮም። 

ንሶም ኣብ ሰላሳ ዕድመኦም ካብዛ ዓለም ብሃንደበት ይፈለዩ’ምበር ማዕረ ቀሺ ዘራጽዮን ሙሰ (1850-1940)፡ ቀሺ ሰሎሙን ዓጽቁ (1948-1926) – እቶም ቀንዲ ዓንድታት ማሕበረሰብ ከኒሻ – እዮም ዝረኣዩ ዝነበሩ፤ ኣብ ዝርጋሐ ወንጌል ከኣ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ወንጌላዊ ነበሩ።

ጸዓዘጋን ሃዘጋን ብ1876

ፐር ኤሪክ ላገር፡ ኣብ ዓዲ ቆንጺ (ኤርትራ) ዝተቐትሉ ሚስዮናዊ
መግለጺ ስእሊ, ፐር ኤሪክ ላገር፡ ኣብ ዓዲ ቘንጺ (ኤርትራ) ዝተቐትሉ ሚስዮናዊ

ቅሩብ ንድሕሪት ክንምለስ፡ ሚስዮናውያን ኣብ እምኩሉ (ጥቓ ባጽዕ) መደበር ኣብ ዝተኸልሉ እዋን (1866) ምስ ቨርነር ሙንዚንገር ዝተባህለ ስዊዘርላንድ ዝመወለዱ፡ ብ1871-1875 ከኣ ብግብጻውያን ተቘጺሩ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዘመሓድር ዝነበረ በዓል ስልጣን፡ ተሓባቢሮም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይዝንቱ።

ሙንዚንገር ንሚስዮናውያን ኣብ ከብሳ ወንጌል ክዝርግሑ ፍቓድ ምስ ሃቡዎም ኣብ ጸዓዘጋ ድልዱል መደበር ተኸሉ። ብዙሓት ከኣ ካብ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ናብ ሚስዮን ዝኣተውሉ ዘመን ነበረ። ኣይጸንሑን፡ ሚስዮናውያን ኣብ በለዛን ገለብን ተወሰኽቲ መደበራት ተኸሉ። በቲ ምስፍሕፋሕ’ቲ ድማ’ዮም ሚስዮናውያንን ኣቕሽሽቲ ደብረ-ቢዘንን ዝገራጨዉ ዝነበሩ።

ሙንዚገር፡ ተዓሲቡ ይሰርሕ ስለዝነበረ ንድልየት ግብጺ ከቐድም ናይ ግድን ነበረ። ግብጻውያን ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ግዝኣት ክተኽሉ ድልየት ስለ ዝነበሮም ንኢትዮጵያ ክወሩ መደብ ነበሮም። ሙንዚንገር ከኣ ኣብቲ መደብ ነበረ። ግብጻውያን ንመደቦም ከተግብሩ ኸኣ ክሳብ መረብ፡ ጥቓ ዓድዋ ደፍኡ።

ዝዝከር’ዩ ሃጸይ ዮሃንስ ንግብጻውያን ስሞም ነበሩ። ብዕለት 16 ሕዳር 1875 ኣብ ጉንደት ንወተሃደራዊ ወፍሪ ሙንዚንገር ከም ዝሰዓርዎ፣ ብመጋቢት 1876 ድማ ኣብ ጉራዕ ሓይልታት ሃጸይ ዮሃንስ ንወተሃደራት ግብጺ ደጊሞም ደምሰሱዎም። ግብጻውያን ኣብ ጉራዕ ምስ ተሳዕሩ ጸብለልትነት ሃጸይ ዮሃንስ ክርአ ጀመረ።

ግብጻውያን ኣብ ጉራዕ ምስ ተሳዕሩ ኣብ ምውጽኦም ንመሬት ቦጎስ ጥራይ ዘይኰነስ ዝነበርም ኣጽዋር’ውን ኣብ ኢድ ራእሲ ወልደሚኪኤል ኣረኪቦም ከዱ።

እቲ ዛንታ ቅሩብ ከነሕጽሮ፡ ድሕሪ ውግእ ጉራዕ ኵነታት ሚስዮን ክልወጥ ጀመረ።

ሃጸይ ዮሃንስ መትከላት ክርስትና (ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን) ኣቐዲሞም ይገዝኡ ስለ ዝነበሩ ‘መነኵሳት ኤርትራ ኣንጻር ሚስዮናውያን ክጕስጕሱ ዕድል ረኸቡ’ ይብል ጉስታቭ ኣረን – ብዛዕባ ታሪኽ ሚስዮን ኣብ ዞባና ዝጸሓፈ ተመራማሪ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ባእሲ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚኪኤልን ምስ ስርሓት ሚስዮን ኣተኣሳሲሩ ኣብታ ‘ፈወንቲ ወንጌል’ ዘርእስታ መጽሓፉ (Evangelical Pioneers in Ethiopia) ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎ’ዩ።

እቲ ጐስጓስ ኣንጻር ሚስዮናውያን እናወሰኸ ብምኻዱ ኣብ ልዕሊ ወንጌላውያን ስክፍታ ኣሕደረ።

ሚስዮናዊ ላገር ከኣ ኣቤቱታኦም ኣብ ደግያት ሃይሉ ንከቕርቡ ምስ በዓልቲ ቤቶም ኰይኖም ንጸዓዘጋ ተጓዕዙ። ደግያት ሃይሉ ኸኣ ብጽቡቕ ተቐበሉዎም ይበሃል። 

ንጉስ ዮሃንስ ንደግያት ሃይሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ኣብ ቦታኦም (ጸዓዘጋ) መሊሶሞም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ደግያት ሃይሉ ንሚስዮናውያን ይከላኸሉሎም፡ ንምንቅስቓስ-መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓማሴን ድማ ዳርጋ ይምዉልዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሓት በቲ ዝነበረ ኵነታት ተጻጊሞም ዝነበሩ ምእመናን ንጸዓዘጋ ብምኻድ ነቲ ዕድል ክጥቀምሉ ጀመሩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ራእሲ ወልደሚኪኤል ቃልሶም ኵሉ ጊዜ ኣንጻር ደግያት ሃይሉ ዘድሃበ ስለ ዝነበረ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም ዝነበረ ጕዳይ ፈለኽ ይብል ከም ዝነበረ ኣብ ግምት ምእታዉ የድሊ።

ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ብ1876 ራእሲ ወልደሚካኤል ወትሃደራቶም ንሓማሴን ገጾም ብምምራሕ ንደግያት ሃይሉ ክገጥሙዎም ንወኪዱባ ተጓዕዙ።

ዉግእ ወኪዱባ (1876)

ብመፋርቕ ሓምለ 1876 ወንጌላዊ ላገር ንበዓልቲ ቤቶም ኣብ በለዛ ገዲፎም ንቀሺ ሓይልኣብ ክረኽቡ ንጸዓዘጋ ተበገሱ። ንጽባሒቱ ግንባር-ቀደም ራእሲ ወልደሚኪኤል ብኣጻድፍ ወሪዶም ንቤት-መኻእ ገጾም ብምኻድ ንጸዓዘጋ ዘምርሑ መንገድታት ዓጸዉዎ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ጕዳይ ጥዕና ከም ዘይነበሮ ተረዲኡ ተረበሸ። ጸሓፊ ጉስታቭ ኣረን ከም ዘዘንትዎ፡ ወንጌላዊ ላገር ክዓርቕ ፈቲኑ ኣይኰነሉን። ደግያት ሃይሉ ብተብተብ ንወተሃደራቶም ንወኪዱባ ገጾም ንክኸቱ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ።

ወንጌላዊ ላገር ምስ ቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይ ኰይኖም ነቲ ዝራጸም ዝነበረ ኵነታት ጸዓዘጋን ሃዘጋን ክዕዘቡ ጀመሩ፣ ወተሃደራት ራእሲ ወልደሚኪኤል ከኣ ይደፍኡ ከም ዝነበሩ ተገንዘቡ።

ወተሃደራት ደግያት ሃይሉ ንወተሃደራት ራእሲ ወልዲሚካኤል ኣይከኣልዎምን፣ ደግያት ሃይሉ ብጥይት ተሃሪሞም ወደቑ። ኣብቲ ውግእ ከኣ መኰነን፡ ወዶም ንራእሲ ወልደሚኪኤል፡ ተወጊኡ ሞተ። ሽዑ ራእሲ ወልደሚኪኤል ነዲሮም ብሕነፍዳ ኵሎም ኣወዳት ጸዓዘጋ ክቕተሉ ከምዝኣዘዙ ጽሑፋት ታሪኽ ይሕብሩ።

ሽዑ ሓይልታት ደግያት ሃይሉ ብብዝሒ ወተሃደራት ወልደሚኪኤል ተዓብሊሎም ተሳዕሩ፣ ብዙሕ ደም ከኣ ፈሰሰ። እቲ ውግእ ደው ምስ በለ ማዕረ 1500 ሰባት ሬሳኦም ኣብ ጐላጕል ወዲቑ ተረኽበ። በዓል ከንቲባ ዘሙይ በዓል ጸዓዘጋ፡ ደብተራ ወልደስላሴ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ዓበይቲ ዓዲ ተቐቲሎም ዝተረኽቡሉ ህሞት ነበረ። ሬሳ ሊቀ-ካህናት ገብረመድህን’ውን ምስኦም ወዲቑ ተረኽበ።

ሓይልታት ደግያት ሃይሉ ካብ ጸዓዘጋ ስሒቦም ክወጹ ምስ ጀመሩ ወንጌላዊ ላገር ምስ ቀሺ ሓይልኣብ ኰይኖም፡ ሳልሳዮም ድማ መምህር ሃብተጊዮርጊስ ትርፈ መፈጸምታ ናይቲ ውግእ ንክርእዩ ተኸቲሎሞም ክሳብ ዓዲ ቘንጺ ወረዱ ይበሃል።

እቲ ኵነታት ምስ ጸንከረ ሰለስቲኦም ኣብ ዓዲ ቘንጺ ዝርከብ ቤት-ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ከኣ ንክዕቈቡ ተገደዱ።

ሽዑ’ዩ “ወዲ ተስፋይ እቲ ንእሽቶ፣ ሰብ ክሃድም ቤተ ክርስትያን ኣቶ” ዝተባህለ። እቲ ሕጨጫ ንቀሺ ሓይለኣብ ተስፋይ ዝምልከት ነበረ። ቀሺ ሓይለኣብ፡ ከም ወንጌላዊ መጠን፡ ‘ኣማልኽቲ ኣየድሕኑን’ዮም፡ እየሱስ እምበር’ እናበሉ ይምህሩ ስለ ዝነበሩ ኣብ ቤት-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ክዕቈቡ ንእምነቶም ዝጻረር ግብሪ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖም።

ብዙሓት ወተሃደራት ሃዘጋ ነቶም ሰለስተ ‘መናፍቓት’ (ከሓድቲ እምነት) ኣብ ቤት ኣምላኽ ስለ ዝተዓቝቡ ዕሽሽ በሉዎም።

ጉብሳ ወልደገብሪኤል ዝተባህሉ፡ ካብ ጻዕዳ-ክርስትያን ነዲሮም ዝመጹ ተዋጋኣይ ራእሲ ወልደሚኪኤል ንሰለስቲኦም ወንጌላውያን ካብቲ ቤተክርስትያን ገዲዶም ኣውጽእዎም፣ “ሕጂ’ምበኣር ንቅዱስ ሚኪኤል ኢድ ክትነስኡ መጺእኩም” ኢሎም ከኣ ሓጨጩሎም። ሚኪኤል ኣየድሕንን’ዩ ትብሉ’ንዶ ኣይነበርኩምን?’ ቀሺ ሓይልኣብ ከይፈርሁ ‘እሞ ሕጂ ንርኢ” በሉ ይበሃል።

ቀሺ ሓይልኣብ ኣይደሓኑን፣ ጉብሳ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብሴፉ ንቀሺ ሓይልኣብ ቆራረጾም። ወንጌላዊ ላገር ከኣ ተምበርኪኾም እናጸለዩ ጉብሳ ክሳዶም ቆረጾ።

መምህር ሃብተጊዮርጊስ ትርፈ ግን ብማህረምቲ ጥይት ሓለፈሎም። ጉብሳን ጕጅለኦምን ካብቲ ቤት ኣምላኽ ምስ ወጹ ሓብቶም ኣድሓናኦም፤ ኵነታት ምስ ሃድአ ኣብ ዓይለት ከይዶም ኣገልግሎት ሕክምና ረኸቡ፤ ነቲ ዛንታ ከዘንትዉ ኸኣ በቕዑ ይበሃል።

ራእሲ ወልደሚኪኤል ንቕትለት ወንጌላዊ ላገር ኣይሕተተሉን’የ በሉ። ምስ ወተሃደራት ንጉስ ዮሃንስ ምእንቲ ከይገጥሙ ኸኣ ተኣልዮም ንቦጎስ ተመልሱ።

እቶም ብእምነቶም በጃ ዝሓለፉ ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተቐትልሉ መዓልቲ 17 ሰነ 1876 ነበረ። እቶም ዝተረፉ ምእመናን ካብቲ ዞባ ብምውጻኣ ናብ ፈቐድኡ ዝነበሩ መደበራት ሚስዮን ክዕቘቡ ኸኣ ተገደዱ። ሓቀኛ ታሪክ ሙካኑ ግን ክረጋገፅ አለዋ ። ትእዝብቲ መንበ ብቲ የድሊ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *