ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ፣ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ድምፂ ወያነ ትግራይን ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዝኽሪ መበል 128 ዓመት ኲናት ዓድዋ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ፣ታሪኽና ክነፅንዕ፣ ክንመሃርን ክነድምቅን ከምዝግባእ ገሊፆም።
ዓወት ኲናት ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ዝበፅሐ ፈላማይ ስዕረት ከምዘይኮነ ይፍለጥ እዩ ዝበሉ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ፣ኲናት ዓድዋ ተጀሚሩ ክሳብ ብዓወት ዝዛዘም ኣብ መሬት ትግራይ ብምዃኑ ካብ ህዝቢ ክሳብ ጀነራል ኣሉላ ብጅግንነት ታሪኽ ዝሰርሕሉ ምዃኑ ገሊፆም።
ጀነራል ኣሉላ ዝተፈላለዩ ቋንቋን ባህልን ዘለዎ ሰራዊት ንምህናፅ ዝነበሮም ድሌት ብሉፅነቶም ምዃኑ ዝሓበሩ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ፣ዝተዋጉኡዎም ዓውደ ውግኣት መፅናዕትታት ክካየደሉ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም እውን ብሄራዊ ጀጋኑና ክነኽብር ታሪኽና ክንዕቅብ ይግበኣና ኢሎም።
ኣይተ ረዳኢ ሎሚ ኣጋጢሞሙና ዘለው ፈተናታት ንምብዳህ ናይ ውልቀ ባህልና ንጎኒ ሓዲግና ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ ኣሎም።
ናይዚ እዋን ጅግንነት ዘይተመለሱ ሕቶታትና ብሰለማዊ መንገዲ ክምለሱ ብሕብረት ምስራሕ እዩ እውን ኢሎም።
እቲ መድረኽ ቀፂሉ ግደ ተጋሩ ኣብ ኲናት ዓድዋ ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብፀሓፊ ታሪኽን በዓል ሞያ ሕግን ኣይተ ሓዱሽ ረዳ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ይቐርብ ኣሎ።
ግደ ጀነራል ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብሙሁር ታሪኽን ፓለቲካል ሳይነስን መምህር ሞላ ተድላ ድሕሪ ምቅራቡ ርኢቶ ዑዱማት ኣጋይሽ ትፅቢት ይግበር።







