Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተጋንፎታት ትግራይ

★ ካብ 3 ክሳብ 8 ሰነ 2016 ዓ.ም ንኻልኣይ ዙር ዝካየድ ወፍሪ ክታበት ሕማም ኣልምሲ(ፖልዮ) ዉፅኢታዊ ንክኸዉን ተሳትፎ ኩሉ ማሕበረሰብ ወሳኒ ምዃኑ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ቢሮ ነዚ ዘፍለጠ ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ካልኦት ዝተፈላለዩ መድረግቲ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ንዝሳለጥ ካልኣይ ዙር ወፍሪ ክታበት ሕማም ኣልምሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።

★ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ካብ ዝበፅሐን ኩለመዳያዊ ማህሰይቲ ንምንጋፍ ቁጠባዊ ዓቕመን ብዘዕቢ መልክዑ ክድገፋ ከምዝግባእ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሊጡ፡፡
ማእኸል መሰልጠኒ ሞያ ማእዶት ኤይድ ንልዕሊ 1 ወርሒ ኣብ ስራሕቲ ምድላው ምጥንን ሸሮን ዘሰልጠነን ፅጉማት ኣዴታት ኣመሪቑ ንስራሕ ዝሕግዙወን ናውቲ ድማ ኣበርኪቱ ፡፡

★ ኣብ ፅባሕ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ እቲ ዝተፈጠረ ማሕበረ ቑጠባዊ ቅልውላው ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ዘርኢ እዩ ክብል ቴሌግራፍ ፀብፂቡ።
ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ርብርብ ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ከምዝሓትት ድማ እቲ ፀብፃብ የመልክት።

★ ብርክት ዝበሉ ልዑል ትኹረት ዘድልዮም ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ከምዘለዉዎም ነበርቲ ወረዳ ራያ ጨርጨር ንድምፂ ወያነ ትግራይ ገሊፆም።
ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ብግደኡ ብፍላይ ኣብ ቀረብ ዝስተማይን መስኖን ዘለዉ ፀገማት ንምቕራፍ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *