Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተጋሩ ዲያስፓራ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ፍትሒ ክረኽቡ ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄነቫ ኣሳሊጦም።

ተጋሩ ዲያስፓራ ትማሊ ኣብ ጄኔቫ ቤት ፅሕፈት ውድብ ሀገራት ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ተሪኺቦም ደምፆም ኣስሚዒም እዮም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ስዒብ ዝተፈፀሙ ዓለም ለኸ ገበናት፣ ግፍዕታትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሒ ክረኽቡ ዝሓተቱ እቶም ተጋሩ ዲያስፓራ ዕድመ ስራሕ ዘበን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ምፅራይ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሀገራት ክናዋሕ ፀዊዖም ።

በተመሳሳሊ መልክዑ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን ምፅራይ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሀገራት ክናዋሕ እናሓተቱ እዩም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *