Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተደጋገምቲ ግጉያት ሓበሬታታት ንዝተወሰነ ህዝቢ ከደናግሩ ይኽእሉ እምበር ንክውንነት ክቕይሩ ኣይኽእሉን!!

ቴሌቪዥን ኣሰና ኣብ ዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት ኣብ ጎኒ ፍትሓዊን ቅኑዕን መኸተ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክሃስስ ዘይኽእል ተጋድሎ ኣካይዱ እዩ። ብዘርኣዮ ህዝባዊነትን ዘይርብርብ ቃልስን ድማ ክብሪ ኣለና።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ግን መሰረት ዘይብሎም ሓበሬታታት ምዝርጋሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ከኣ ሓደ፣ ኣብ ትግራይ ምርግጋእ ከይህሉን ውሽጣዊ ምጥርጣራት ክዓቢን ዝድርኽ እንትኸውን፣ ብካልኣይ መንገዲ ከኣ ከም ህዝቢ ዝጀመርናዮ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ናይ ቃልሲ ንኡስ መድረኽ ኣንፈቱ ስሒቱ ህዝቢ ትግራይ እፎይታ ከይረክብን ካብ ኩናትን ወረ ኩናትን ተናጊፉ ናብ ንቡር ህይወቱ ንምምላስ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝሓልኽን እዩ።

ናይዚ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ክዝርግሖም ዝፀንሐ መሰረት ዘይብሉ ግጉያት ሓበሬታታት ሰንበት17 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ምሸት ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ነባራት መሪሕነት ህወሓት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውፅኡ ኣመልኪቱ ብዕራይ ወለደ ዝዓይነቱ ሓበሬታ ዘርጊሑ ኣሎ። እዚ’ውን ከምቶም ኣቐዲሙ ዝለቐቆም ውፁኣት ሓሶታት ምዃኑ ንመላእ ኣብ ውሽጥን ደገን ህዝብና ክንገልፅ ንፎቱ።

ኣብ መወዳእታ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተደጋገምቲ ግጉያት ሓበሬታታት፣ ንዝተወሰነ ህዝቢ ከደናግሩ እንተዘይኮይኖም ንክውንነት ክቕይሩ ኣይኽእሉን። ይኹን እምበር ውሽጣዊ ርግኣት ከይህሉን ምጥርጣራት ክዓቢን ዝድርኹ መረዳእታታት ንዝፍንወ ኣካላት መላእ ህዝብና ብትሪ ክኹንኖምን ክቃለሶምን ነተሓሳስብ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
18 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *