Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተዋሳኣይ የውሃንስ ኣለማት ምስ ወይዘሪት ሄለን ተካ ንዝፈፀሙዎ መርዓ ንዕለት መርዐኦም ካብ ዝኸውን ወፃኢ ብምቕናስ 20 ሽሕ ብር ዝዋግኦም ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ለጊሶም

ኣብ ድራማ ገሬ እሙን ገፀባህሪ (ኣያዘረኣብሩኽ ) ኮይኑ ዝዋሳእ የውሃንስ ኣለማት ምስ ወይዘሪት ሄለን ተካ ንዝፈፀሙዎ መርዓ ንዕለት መርዐኦም ካብ ዝኸውን ወፃኢ ብምቕናስ ንህፃናት ተምሃሮ ዝውዕል 28 ደርዘን ደፍተር ፣ ሰለስተ ባኮ ብርዒ፣ 2 ባኮ እርሳስ ብድምር 20 ሽሕ ብር ዝዋግኦም ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ከም ዘረከቡ ተገሊፁ።

ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተረኺቦም ስነ ስርዓት ርኽክብ ናውቲ ትምህርቲ ዝፈፀሙ እቶም መርዑት፣ ኣብዚ እዋን ህፃናት ትግራይ ስኣን ቀረብ ናውቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይተርፋ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ’ውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ንክገብር ፀዊዖም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም፣ ነቶም መርዑት ሰናይ ሓዳር ድሕሪ ምምናይ ንዝገበርዎ ሓገዝ ብሽም ተጠቀምቲ ህፃናትን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዘመስገኑ ኮይኖም ካልኦት ው’ን ኣሰሮም ክስዕቡ ፀዊዖም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ “ሓደ ሰብ ንሓደ ህፃን” ወፍሪ ምትእኽኻብ ናውቲ ትምህርቲ ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ተዋሳኣይ የዉሃንስ ኣለማት ኣብ ድምጺ ወያነ እንግዶት ሰንበት ብተኸታታሊ ዝሓልፍ ሲትኮም ድራማ ገሬ እሙን ከም “ኣያ ዘርኣብሩኽ” ኮይኑ እናተዋስአ ዝጸንሐን ዘሎን ፍትዉ ተዋሳይ እዩ። ድምጺ ወያነ ንመርዓዊ የዉሃንስ ኣለማትን ክብርቲ መርዓቱን ርሑስ ጋማ፣ መርዓኹም ይሰለም ይብል!

ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *