Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተወሳኺ መፅንሒ ማእኸል ግልጋሎት ሕክምናን ስልጠናን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ማይጨው ከምዝኽፈት ተገሊፁ።

ተወሳኺ መፅንሒ ማእኸል ግልጋሎት ሕክምናን ስልጠናን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ማይጨው ከምዝኽፈት ተገሊፁ።

እዚ መፅንሒ ማእኸል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ፈንድ ስነ ህዝቢ UNFPA ካብ ኤምባሲ ዴንማርክ ብዝረኸቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝኽፈት እውን ተገሊፁ።

ኣብ ዕላውነት እቲ ፕሮጀክት ተረኺበን መልእኽቲ ዘሕለፋ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረእግዚኣብሄር፣ ብኲናት ፅንተት ፆታዊ ጥቅዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ግልጋሎት ሕክምና ይረኽባ ከምዘየለዋ ተዛሪበን።

ወይዘሮ ፍረወይኒ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መፅንሒ ማእኸላት ምስቲ ዘሎ ቁፅሪ ግልጋሎት ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይመጣጠንን ትኹረት ከምዘድልዮን ኣመላኺተን።

ሐዚ ኣብ ከተማ ማይጨው ዝኽፈት መፅንሒ ማእኸል ካብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ናብ ከተማ መቐለ ይመፃ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ግልጋሎት ኣብ ቀረብኣን ክረኽባ ከምዘኽእል ድማ ገሊፀን።

ኤጀንሲ ፈንድ ስነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNFPA ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲ ግራትን ሐዚ ድማ ኣብ ከተማ ማይጨውን ኣብ ዝጅመር መፅንሒ ማእኸልን ዝተማልአ ግልጋሎት ጥዕናን ሞያ ስልጠናን ዝህብሉ ኩነታት ንምፍጣር መደብ ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓላፊት እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ጆይሴ ፓክላኪ ተዛሪበን።

ኣብ ዕላውነት እቲ ፕሮጀክት ዝተሳተፉ ኣካላት ብወገኖም ኣብተን መፅንሒ ማእኸላት ዝወሃብ ግልጋሎት ፅሬቱ ክሕሉን ዝሓሸ ግልጋሎት ክህብን ክስራሕ ኣመላኺቶም።

ናብ መፅንሒ ማእኸላት ዝኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ግልጋሎት ሕክምና ብተወሳኺ ሞያዊ ስልጠና ወሲደን መጀመሪ ስራሕ ገንዘብ ተዋሂብወን ናብ ገዝኣን ከምዝምለሳ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *