★ ቀንዲ ዋኒን ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓት ዋኒን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክዕወት ምቅላስ እዩ።
★ ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ክፍፀም ህወሓት ካብ ዝሓዞም ዓበይቲ ዋኒናት ሓደ እዮ።
★ውድብ ህወሓት ኣብ ቐፃሊ ኣብ ዘሳልጦ ውድባዊ ጉባኤ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ምትዕርራይ( ሪፎርም) ከምዘካይድ ዶ/ር ደብረፅዮን ሓቢሮም ። ይኹን እምበር ጉዳይ ሪፎርም ዋኒን ህወሓት እምበር ህወሓት ንምፍራስ ብደገ ዝዝቡ ዘለው ሓሳባት ተቐባልነት የብሎምን ኢሎም።
★ ሓፁር ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ መሰል ህዝቢ ትግራይ ምኽባር እዩ።
★ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ውድብ ህወሓት እዩ ፣ ስለዚ ነዚ ኩነታቶ ብጥንቃቐ ይሰርሕ ምህላው።
★ ምዕወት ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ዓወት ውድብ ህወሓት እዩ።
★ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝኣተወ መድረኽ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ጥንቃቐ ዝሓትትን ከቢድን መድረኽ እዩ።
★ ውድብ ህወሓት የካይዶ ዝቐነየ መድረኽ ዘለናሉ ቀጠናዊ ኹነታት፣ ውድዓዊ ኩነታት ሀገር እንታይ ከምዝመስል ከምኡ እውን ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ዋኒን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ከምኡ እውን ውድባዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝዓበየ ዛዕባ ግን ኩነታት ትግራይ እዩ ነይሩ ኢሎም።
★ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ኣይወፅኡን፣ ግፍዕን ጆኖሳይድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይቕፅል ኣሎ።
★ ኣብ ባይታ ለውጢ ንምምፃእን ሕልኽላኽ ንምፍጣር ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን እናሰርሑ ይርከቡ።
★ በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ደሕንነት ሲቪላት ኣይትሓለወን ዘሎ።
★ ትግራይ መሊኣ ሰላማ ኣይረኸበትን ፣ ኣብ ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምዝንጋዕ ኣሎ።
★ ኣብዚ ሰለማዊ መድረኽ ተሓታትነት ንጎኒ ክብሃል ዘይግባእ ዛዕባ እዩ ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን እቲ ዘይሻራዊ ዓለም ለኸ መፃረይ ኮሚቴ ናብ ትግራይ ኣትዩ ከየፃርይ ደው ኢሉ እዩ ዘሎ፤ እዚ ድማ ኣግብብነት የብሉን ኢሎም።
★ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ፓለቲካዊ ዘተ ክጅመር ይግባእ፣ እንተኾነ ኣይተጀመረን ኢሎም።
★ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ምግባር፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ምጅማር፣ ተሓታታይነት ገበን ጄኖሳይድ ብዝተወደበን ዝተተለመን መልኩዑ ስራሕ ክጅመር፣ ባህሊ ፓለቲካ ትግራይ ንምልወጥ ምስራሕን ምዑሩይ ምሕደራን ክዓምም ልኡኽ ዝሓዘ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ድወት
