መስጂድ ኣል ነጃሺ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ታሪኻዊ ቅርስታትን ሃፍቲ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይን ሓደ እዩ።
ብአተሓባበርነት ዶ/ር ኣብራር ፍትዊን ካልኦት ግዱሳት ተጋሩን ዝጅምር ዕላዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዝተሓበረ እንትኾን ተበግሶ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅድ ኣልነጃሺ ሎሚ ዕላዊ ክኾን ትፅቢት ይግበር።
መስጂድ ኣል ነጃሺ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዝኾኑ ተኸተልቲ ነብዩ መሓመድ( ስሓበ) ካብ መካ መዲና ተሰዲቶም ዝተዓቖቡሉ ታሪኻዊ ስፍራ ምዃኑ ይፍለጥ።
ተበግሶ ንዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጂድ ኣል ነጃሺ ዕላዊ ከምዝግበር ጋዜጠኛን ኣክቲቭስትን ራሽድ ዓብዲ ኣብ ገፅ ትዊተሩ ኣብ ዝወዝዖ ሓበሬታ ገሊፁ።
