Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ብሓይሊ ጎቢጦም ኣብዝሓዝዎም ከባብታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፍፅምዎ መስካሕክሕን በደልን ኣጠናኺሮም እናቐፀልሉ እዮም።

ካብ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ዝተቐበሉ ሓረስቶት ወረዳ ኦፍላ ብተስፋሕፋሕቲ ሓይልታተ ኣምሓራ ከምዝተኣሰሩን ዝተቐበልዎ ልዕሊ 20 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ድማ ከምዝተሓደጉ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቶም ሓረስቶት ብዘለዎም ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ግራውቶም ከይተዘርአ ከይኸርም ተሓሲቡ ብትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝተውሃቦም ምሩፅ ዘርኢ እዩ ተመንዚዖም ንባዕሎም እውን ተኣሲሮም ዘለዉ።

ኣብቲ ኩነታት ኣመልኪቶም ተወሳኺ መብርሂ ክህቡና ዝሓተትናዮም ኣመሓዳሪ ወረዳ ኦፍላ ኣይተ የማነ ክፍለማርያም ድማ ካብ ትግራይ ዝመፁ ሓገዝ ተቐቢልኩም ብዝብል እዩ ከም ገበን ዝፈፀሙ ተሓሲቡ ዝተውሃቦም ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ተመንዚዖም ንባዕሎም እውን ተኣሲሮም ዘለዉ ኢሎም።

እቲ ኩነታት መቐፀልታ ናይቲ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት መሊኡ ክጠፍእ ዝሓዝዎ እኩይ ዕላማ እዩ ዝበሉ ኣይተ የማነ ነዚ ድማ ተመዛበልቲ ብዘይውዓል ሕደር ናብ መረበቶም እንትምለሱን ህዝቢ እውን ብዝመረፆ መንግስቲ እንትመሓደር ብምግባር ዘላቒ መፍትሒ ክመፅእ ምግባር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ጎቢጦም ኣብ ዝሓዝዎ ከባብታት ቅድም ክብል ብምልሻን ፍሉይ ሓይልን እናሰልጠንዎ ዝፀንሑ ሰባት ናብ ሰቖጣን ካልኦት ከባብታትን ወሲዶም ተወሳኺ ስልጠና ክወስዱ እናገበሩ እንትኾን ንሰልጠንቲ ቐለብን ኣልባሳትን ብዝብል ድማ ህዝቢ እቲ ከባቢ ገንዘብን ናውትን እኽልን ክህብ ይግደድ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *