ቅድሚ 3 ሰዓታት
ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል በዓል ኣሸንዳ ብዝተሓዋወሰ ስምዒታት ይጽምብላ ኣለዋ።
ሕዚ’ውን ኣብ ገለ መዋሰንቲ ከባብታት ትግራይ ዝርከባ ኣዋልድ ብዙሕ ግፍዕን መከራን እናሕለፋ ነዚ በዓል ከኽብራ ኣይከኣላን።
ካልኦት ድማ ኣብቲ እዋን ኲናት ተመዛቢለን ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኰይነን የሕልፈኦ ኣለዎ። ብኣሸሓት ዝቑጸራ ድማ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕትን ግህሰትን ኮይነን፡ ካብ ቆስለን ዘይሓወያ ይርከበአን።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ኣብ መቐለ ዝነበረ በዓል ኣሸንዳ ተዘዋዊሩ ዘልዐሎም ስእልታት እነሆ፡ ተኣንገዱ።
መግለጺ ስእሊ, ድምቀት ኣሸንዳ ኣብ መቐለ ፡ ስታድዮም ባሎኒ
መግለጺ ስእሊ, ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ደቀንስትዮ ኣብ መዓልቲ ኣሸንዳ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ዝኽሪ ቁልዕነተንን ክብሪ ኣሸንዳን ኣብዒለንኦ። ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ምዃነን ስዒቡ፡ ብዙሓት ናብ ሰራዊት ትግራይ ተፀምቢረን ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝዘለቐን ኣሸሓት ህይወት ዝበልዐን ደማዊ ኲናት ማዕረ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ተሳቲፈን እየን።
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ቆልዑ ኣሸንዳ ጀዲድ ወይ ድማ ካብ ዋስየ ዝተሰርሐ ጥልፊ የዘውትራ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ዝዝውተር ብልምዲ ‘ቦፌ’ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ክዳን ለቢሰን ዝተመላኸዓ ቆልዑ ኣሸንዳ
መግለጺ ስእሊ, ቆልዑ ኣሸንዳ ኣብ ጎደናታትን ህዝባዊ ቦታትን ‘ኣሸንዳ ዕምባቦ’ እናበላ ክደርፋን ክዘላን ይውዕላ። ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቅድሚአን እንተረኺበን ድማ ‘ሓዛለይ ሓዛለይ’ እናበላ የላህየኦም።
መግለጺ ስእሊ, እቲ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ጾም ፍልሰታ ምስ ተስዓረ ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ቅነ አሸንዳ ፡ ከከም ከባቢኡ ንመዓልታትን ንሰሙናትን ደሚቑ ይፀንሕ።
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ብቐንዱ ደናግል ኣዋልድ ዘኽብረኦ እንተዀነ’ኳ፡ ሕዚ ሕዚ ዋላ ምርዑዋት ደቂ ኣንስትዮ ወፂአን ኣብቶም ፅምብላት ክሳተፋ ይረኣያ።
መግለጺ ስእሊ, ቆልዑ ኣሸንዳ ብዝተፈላለዩ መመላኽዒታት ጸቢቐንን ተመላኺዐንን ይወፅኣ።
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ንኣዋልድ መዓልቲ ሓጎስን ጽባቐን እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ቆልዑ ኣሸንዳ አብቲ ቅነ በዓል ጥራይ ዝኸደነኦን ዝኣስረኦን ኣላብስን መጋየፅታትን ኣለዎን።