Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተምሃሮ ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ከይተርፉ ርብርብ ኩሉ ሕብረተሰብ ይጠልብ ተባሂሉ።

እዚ ዝተገለፀ ብሻብዐይቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ዝውነን ትካል (ADRA) ኣብ ሙሉእ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሻብዐይቲ መዓልቲ መቐለ ካብ 6ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ሶላር ራድዮ ሓገዝ ኣብዝተገበረሉ እዋን እዩ።

ነቲ ሓገዝ ናውቲ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ግዱሳት ወገናት ዝልኣኽዎ ኮይኑ ኣብቲ ዝሓለፉ እዋናት ተምሃሮ ንዝሓለፎም ትምህርቲ ንምክሕሓስ ብረድዮ ንክምሃሩ ዝሕግዝ ምዃኑ ፕረዚደንት ሻብዐይቲ መዓልቲ ቤተ ክርስትያን ኣድቬንቲስት ትግራይ መጋቤ ናሆም ይትባረክ ገሊፁ።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ተምሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ ብወገኖም ብሰንኪ ቅሉዕ ኲናት ከቢድ ስነ ልቦናዊ ሃሰያ ከምዝበፀሖም ብምግላፅ ሐዚ ትምህርቲ ምጅማሩ ከምዘሐጎሶምን ነቲ ዝተወሃቦም ሓገዝ ናብ ረብሓ ብምውዓል ሕልሞም ጋህዲ ከምዝገበሩ ሓቢሮም።

ተምሃሮ ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ከይተርፉ ርብርብ ኩሉ ሕብረተሰብ ይጠልብ ዝበሉ ድማ ኣብቲ እዋን ዝተረኸቡ ወለዲ ተምሃሮን ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርትን እዮም።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *