Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ምምላስ ቀዳማይ ስራሕ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዩ-ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ

መቐለ፥22 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዙርያ ዘላቒ መፍትሒ ተመዛበልቲ ኣድሂቡ ምስ ሰለስተ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘተ ኣካይዱ።

ዘላቒ ፍታሕ ማለት ተመዛበልቲ ምምላስ፣ምጥያሽ፣ኣብ ዘለዉዎ ምጥንኻርን ኮይኑ ምምላስ ተመዛበልቲ ቀንዲ ትኹረት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝኾነ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ተመዛበልቲ ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ድሕንነቶም ክሕሎ፣ንምጥያሽ ዘድልዮም እታዎት፣ከይዲ ኣመላልሰኦም ከመይ ክኸዉን ከምዘለዎ ተፀኒዑ ንዝምለከቶ ኣካል ፀብፃብ ከም ዝተገብረ ኣብቲ መደረኽ ተገሊፁ።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ክልተ ነጥቢ ሓደ ቢሊየን ዶላር ከምዘድልን እዚ ድማ ካብ ለገስቲ ኣካላት ዝርከብ ከምዝኾነን ተሓቢሩ።

ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ትግራይ ሜጀር ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ ብወገን ትግራይ እቲ ዘድሊ መፅናዕቲ ተወጊኑ እዩ ኮይኑ ግን ብወገን ክልል ኣምሓራ፣ዓፋር፣ሶማልያን ኦሮምያን እዚ ብዘይምውጋኑ ንቲ ከይዲ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣደናጉይዎ ከም ዘሎ ሓቢረን።

ንሕና ከም ክልል ነዚ ንምዕዋት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብቕርበት ንሰርሕ ኣለና እውን ኢለን።

ብህሊና_ኣርኣያ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *