እቲ ማሕበር ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፣ ሰለስተ ፖለቲካውያን ውድባት ትግራይ ኣብ ዙርያ ምሃብ ሕጋዊ ኣፍልጦ፤ ወረቀት ምስክር ምዝገባን ካልኦት ሕቶታትን ነቲ ቦርድ ዘቕረብዎ ሕቶ በቲ ቦርድ ምንፃጉ ዘይቅኑዕ ውሳነ ክብል ስክፍትኡ ገሊፁ ኣሎ።
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንውሳንኡ ደጊሙ ክምርምርን ሕቶ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ክምልስን እውን ማተስኣ ኣተሓሳሲቡ።
መግለፂ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ብምቕፃል፣ ንስምምዕ ሰላም ስዒቡ ገለ ምዕባለታት እኳ ተሃለዉ መሊኡ ባይታ ብዘይምሓዙ ስቃይን መከራን ህዝቢ ትግራይ ይቕፅል ምህላዉ ኣመልኪቱ።
ብፍላይ ድማ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኾይኖም ግፍዕታት ይፍፅሙ ምህላዎም ዘዘኻኸረ እቲ ማሕበር ስቃይን መከራን ህዝቢ ትግራይ ንከብቅዕ፤ ስምምዕ ሰላም ባይታ ንክሕዝ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይተሓለለ ርብርብ ክገብር ፀዊዑ።
ድወት
