ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስቲ ልኡኽ ጉጅለ ዘካየድዎ ዘተ ዕውት ከምዝነበረ ኣብ ፌስቡክ ገፆም ብምሕባር ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሓዊሱ፣ ምንጋስ ፍትሕን ተሓታትን ዝተፈፀሙ ገበናት ከምኡ እውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ግደ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን ዝብሉ ዛዕባታት ዕውት ዘተ ኣሳሊጠ ክብሉ ገሊፆም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝገብሮ ዘሎ መትከል መሰረት ዝገበረ ሓገዝ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም ። ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሀመር ዝተመረሐ ጉጀለ ብኣባላት ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ምግላፅና ይዝከር፡፡
