እቲ ህዝባዊ ቤተ መፃሕፍቲ ካብ መቐለ ካብ ዘለዎ ኣርባዕተ ህዝባዊ ቤተ መፃሕፍቲ ዝሐሸ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ምኻኑ ዝሓበራ ቴክኒካል ዳይሬክተር እቲ ቤተ መፃሕፍቲ ኣለማት ኣለሙ እንትኾና ሕዚ ግን እቲ ህንፃ ስለዝተበላሸወ ፅቡቕ ግልጋሎት እንሃበ ኣይኮነን ክብላ ገሊፀን ።
ብምዃኑ ድማ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ከምዝነከየ ተገሊፁ።
እቲ ህዝባዊ ቤት መፃሕፍቲ ልዕሊ 800 ሰባት ዘተኣነግድ ከምዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤቪን ማሲንጋን ብወገኖም እቲ ቤተ መፃሕፍቲ ናበ ንብር ንምምላስን ናብ ዝሐሸ ደረጃ ንምባፃሕ ይሰርሑ ከምዘለው ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኤቪን ማሲነጋን ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምሕላፍኩም ድማ ብጣዕሚ ይሓዝን ክብሉ ገሊፆም።



