Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝመሓደራ ወረዳታት ትግራይ ጥራሕ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ 2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዘ 527 ሓደጋ ትራፊክ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።

20 ሰነ 2016 ዓ/ም፣ ወይን:- ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ መቐለ፣ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጓዓዝያ ከተማ መቐለን ኣላጀ ድሕንነት ሓደጋ ትራፊክ መንገድን “መዓልቲ ትራፊክ” ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ።

እቲ ሎሚ ዕለት 20 ሰነ 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ” ክብሪ ንኣሽከርከርቲ ክብሪ ንእግረኛታት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ትራፊክ ኣብ ምፍጣር ግንዛበ ሓደጋ ትራፊክ፣ ግደ ዝተፈላለዩ መሓዉራትን ትካላትን ንምንፃር ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኢትባረኽ ግደይ፣ ፍሰት ትራፊክ ከተማ መቐለ ስርዓት ዘይብሉ ብምዃኑ ንሓደጋ ትራፊክ ተቓላዓይነቱ ሰፊሕ ኮይኑ ከምዝርከብን መዓልታዊ ሓደጋ የጋጥም ምህላውን ገሊፆም። ናይዚ መበገሲ ድማ “ብፅንተታዊ ኵናት መሰረተ ልምዓት መከላኸሊ ሓደጋ ትራፊክ ስለዝዓነወን እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ትራፊክ ፖሊስ ጥራሕ ዝተሓድገ ብምዃኑን እዩ” ኢሎም።

ካብዚ ዝብገስ ኣብታ ከተማ ዘለዋ ተሽከርከርቲ ልዕሊ ዓቐን ካብ ምዃነን ሓሊፉ ዋንነተን ብንፁር ዘይፍለጠሉ ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሮም። ኮይኑ ግና ከምኡ ኢልካ ምቕፃል ስለዘይከኣል ነዚ ናብ ስርዓት ንምኣታው ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ኣረዲኦም።

ኣብቲ መድረኽ ሰለስቲ መማያየጢ ዛዕባ ዝቐረቡ ኮይኖም፣ ሓደጋ ትራፊክ ካብቶም ህይወት ደቂ ሰብ ዘጥፍኡ 10 ቀተልቲ ሓደጋታት ውሽጢ ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ። ብመሰረት እዚ ከም ትግራይ እሞ ድማ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝመሓደራ ከባቢታት ጥራሕ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ 2016 ዓ/ም 527 ሓደጋ ትራፊክ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ። በዚ ድማ 164 ሞት፣ 205 ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘጋጠመን ልዕሊ 592 ሚልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከም ዝተመዝገበን ኣብቲ መድረኽ መማያየጢ ዛዕባ ዘቕረቡ መምህር ሃፍቱ ወልደኪሮስ ገሊፆም።

መምህር ሃፍቱ፣ መበገሲ እቶም ሓደጋታት ትራፊክ ብናህሪ ምሽክርካር፣ ኣልኮላዊ መስተ ወሲድካ ተሽከርካሪ ምግናሕ፣ ድሕንነት ተሽከርካሪት በቢእዋኑ ዘይምፍታሽን እግረኛታት ፀጋማይ መስመር ሒዝካ ዘይምጓዓዝን ምዃኖም ኣረዲኦም።

ካልእ መመያየጢ ዛዕባ ዘቕረቡ ኣይተ ገብረዋህድ በርሀ ብወገኖም፣ ሓደጋ ትራፊክ ንምቕናስ መዕበዪ ግንዛበ በቢግዚኡ ምክያድ፣ መቆፃፀሪ ቴክኖሎጂ ምዕጣቕ፣ መዳርግቲ ኣካላት ከም ኣብያተ ትምህር፣ ቢሮ ርክብ ህዝቢን ሚድያታትን ቀፃሊ ክሰርሓሉ ምግባር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

መዓልቲ ትራፊክ ብብርኪ ትግራይ ንሓምሻይ ግዘ ብብርኪ ከተማ መቐለ ድማ ንፈለማ ግዘ እዩ ዝኽበር ዘሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *