Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብጉጅለ ትካል ልምዓትን ሓበራዊ ረብሓን ዓባይ ብሪታንያ ዝተመርሐ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ

ፍልይቲ ልኡኽ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ሳራ ሞንትጎመሪ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳዶር ብሪታንያ ኣምባሳዶር ዳረን ዌልች፣ ዳይረክተር ሰብኣዊ ሓገዝ ስደተኛታትን ምግቢ ውሕስናን ማቴው ያትን ሓላፊ ትካል ልምዓትን ሓበራዊ ረብሓን ምብራቕ ኣፍሪካ ቪኪ ሳይሞውርን ሎሚ ነሓሰ 3/2015 ዓም መቐለ ዝኣተው እንትኾን ብላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢንግልዝ ኣብ ትግራይ ንሐደ መዓልቲ ፃኒሒት ዝህልዎ ኮይኑ ኣብ ከይዲ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዘተ ከካይድ እዩ።

ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ምጅማር ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝምልከት ምይይጥ ክገብሩ እውን ትፅቢት ይግበር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ፣ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር እውን ዑደት ከምዘካይድ ተገሊፁ ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *