መቐለ፥ 14 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ብዝተወሰኑ ኣካላት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ ተግባር ኣመልኪቶም ተወከልቲ ነበርቲ ወረዳታት ሳምረን ሳሓርትን ምስ ፕረዚዳንትን ምኽትል ፕረዚዳንትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።
እቶም ነበርቲ ከም ዝበልዎ ብዝተወሰኑ ፀጥታ ኣካላት ማሕተም ተዘይኣረኪብኩም ብዝብል ኣብ ህዝቢ ሰሓርቲ ጒንፂ ክፍጠር ይግበር ኣሎ ኢሎም።
“ባዕልና ዝመረፅናዮ መራሒ እዩ ክመርሐና ዘለዎ ስለዝበልና ስጉምቲ ተወሲዱና” ክብሉ መረረቶም ገሊፆም።
ስለዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሐ ጉድኣት ህፁፅ ፍታሕ ክህበና ንሓትት ኢሎም።
ምኽትል ፕረዚዳንትን ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ጉዳይ ይፃረ ስለዘሎ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ዕላዊ ክንገብር ኢና ኢሎም።
ጥፍኣት ዘጥፈአ ዝኾነ ይኹን ኣካል ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ስለዝኾነ ኣፃሪና ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።
ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ሰራዊት ብዝብል ሽፋን ናይ ዝተወሰነ ኣካል ድልየት ንምምላእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣካላት ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ተፃርዩ ብሕጊ ከምዝሕተቱ ገሊፆም።
ናይ ህዝቢ ብዝኾነ ሰራዊት ናይ ዝኾነ ኣካል ድልየት ንምምላእ ፃዕሪ ምግባር ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።
በዙይ እውን ህዝብን ሰራዊትን ንምግጫውን ንምክፍፋልን ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ ደው ክብል ከምዘለዎ ገሊፆም።
መረዳእታ ብዘለዎ መንገዲ ኣብቲ ተግባር ዝተዋፈሩ ኣካላት ተሓተቲ ንምግባር ከምዝስራሕ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም።
