ብሰንኪ ኩናት ፅንተት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣዕቑቦም ኣብ ከርፋሕ ናብራ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዘይ ኩናት ብጥሜት ንፀንት ኣለና፣ናብ መረበትና ምለሱና፣ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር፣ ሰፈርቲ ካብ መሬትና ይውፁእልና፣ድምፂ ተመዛበልቲ ይከበር ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም 16 ጥሪ 2016 ዓ.ም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቶም ተመዛበልቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተተግቢሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ተስፋ ኣንቢሮም ዋላ እኳ እንተነበሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ኢሉ እውን እቶም መላዘብቲ ኣካላት ስራሖም ብዝግባእ ብዘይምስራሖም ዕፃና ሞት ጥራሕ ኮይኑ ይርከብ ኢሎም።
ህፃናት ኣዴታት ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝተሳተፉ ድማ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣባል ኮሚቴ መተሓባበሪት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሃለቃ ሃፍቱ ሓጎስ ገሊፆም።
ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሴ፣ዓዲግራት፣ኣኽሱም፣ዓድዋን እውን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብህፁፅ ተተግቢሩ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ክወፁን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ናብርኦም ክመርሑ ዝፅዉዕ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ይዝከር።
