ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝቕፅል ዘሎን ፅንተት ብልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት ቃፍታ ሑመራን ወልቃይትን ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ንግዚኡ ተዓቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ በዓል ጥምቀት ቃና ዘገሊላ ኣኽቢሮም ፡፡
እቶም ተመዛበልቲ ብሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ተደራረብቲ ፀገማት ዝበፅሕዎም ዘለው ሓሳረ መከራን ሞትን ተፃዊሮም ነቲ መግለፂ መንነቶምን እምነቶምን ዝኾነ በዓል ጥምቀት ቃና ዘገሊላ ኣብታ ዝተዓቖቡላ መዕቖቢት ዳሶም ኮይኖም እንተኽብሩ ብትግራዋይ መንነቶም ምኽንያት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ናብ መረበቶም ክምለሱን ዳግም ስሩዕ ህይወቶም ክመርሑን ተስፋ እዃ ገይሮም እንተነበሩ ዛጊድ ነዚ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ውዕል ዝትግብር ኣካል ስለዝተሰኣነ ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም።
ብሰንኪ እዚ ድማ ኣዝዩ ንዝተጋደደ ሓደጋታት ሕማምን ሞትን ተሳጢሖም ከምዘለዉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ መዕቖቢ ቦታት ከተማ ዓድዋ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም እዮም ፡፡
እቶም ብወረርቲ ሓይልታት ኣምሃራን ኤርትራን ካብታ ማሙቕ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ከምዝገለፅዎ መንግስቲ ፌደራል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተግራይ ብሰንኪ ወረርቲ ንዝተማዘበለ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣካል ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓሲቡ ብመንግስትነቱ ተገንዚቡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክገበርን መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ንጉዳይ ተማዛበልቲ ልዑል ትኹረት ሂቡ ክሰርሓሉ ፀዊዖም፡፡
