Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ ሰሎሙን መዓሾ ዝተጸወዐ ህጹጽ ኣኼባ ጽባሕ ረቡዕ 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ኣኽሱም ክሳለጥ እዩ.

ብዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ ሰሎሙን መዓሾ ዝተጸወዐ ህጹጽ ኣኼባ ጽባሕ ረቡዕ 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ኣኽሱም ክሳለጥ እዩ። እቲ ጽባሕ ኣብ ኣዳራሽ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ተጸዊዑ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ ኣብዞባ ማእኸል ናይዝርከባ 22 ወረዳታት ኣማሓደርቲ ሓዊሱ ኣብተን ወረዳታት ንዘለዉ ካድረታት ውድብ ህወሓት ፥ ተወከልቲ ሓረስቶት ፥ ነጋዶ ፥ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣካላትን ዝሳተፉሉ እዩ።

እቲ ኣኼባ ንሕድሕድ ወረዳታት ዞባ ማእኸል ዝተነገረ ብሓላፊ ውዳበ ዞባ ማእኸል ኣይተ ጉዑሽ ግደይ እንትኾን ወጻኢ ናይቲ ኣኼባ ብግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝሽፈን ከምዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ኣኼባ ንፕሬዚደንት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ንነበር ም/ዳይሬክተር መረጃን ደሕንነትን ኢትዮጵያ [NISS] ኣይተ ወ/ስላሴ ገ/ሚካኤልን ሓዊሱ ኣብ ኣኼባ ካድረ ህወሓት ዘይተረኸቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ‘ውን ክርከቡ እዮም።

ዞባ ማእኸል ዝበዝሑ ካድረታት ውድብ ህወሓት ኣብመቐለ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ዝተረኸቡሉ ከባቢ እንትኾን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝሓለፈ ቀዳመ – ሰንበት ንዝተጸወዐ ኣኼባ ካድረ ህወሓት “ቅነ ዓጺድ እዩ” ብምባል ንቲ ኣኼባ ብዕሊ ከምዝተቓወሙዎ ይፍለጥ። ውድብ ህወሓት ቀጻሊ ኣኼባኡ ድሕሪ 2 ሰሙን ከምዘካይድ ኣብቲ ናይካድረታቱ ኣኼባ መዛዘሚ ኣብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *