Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብኣስታት 200 ሚልዮን ብር ዝህነፅ ዘመናዊ ሪጅናል ሪፈረንስ ላብራቶሪ ማይጨው ሰረት እምነ ኩርናዕ ብፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተነቢሩ ።

ህንፀት እቲ ዝተነበረ ሰረት እምነ ኩርናዕ ብሓገዝ መንግስቲ ፌደራልን ባንኪ ዓለምን ከምዝሳለጥ ዝተሓበረ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ድማ ትፅቢት ይግበር።

ሚንስትር ድኤታ ሚንስቴር ጥዕና ፌደራል ኣየለ ተሾመ ከምዝገለፅዎ ካልኦት ዝዓነው ትካላት ጥዕና መሊስካ ኣብ ምህናፅ እውን ብትኹረት ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብግድኦም ህንፀት እቲ ዝተነበረ እምነ ሰረት ኣብ ሓፂር ግዘ ተዛዚሙ ናብ ኣገልግሎት ክውዕል ይግባእ ኢሎም። ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምዝግበር እውን ኣመላኺቶም።

እቲ እምነ ሰረት ኣብ ለምለም ካርል ሆሰፒታል ማይጨው ዝተነበረ እንትኸውን ቅድሚ እቲ ዂናት ንክህነፅ መደብ ተታሒዝሉ ዋላ እኳ እንተነበረ በቲ ኲናት ምኽንያት ከምዝተቛረፀ ተገሊፁ እዩ።

ህንፀት ሪጅናል ሪፈረንስ ላብራቶሪ ማይጨው ምስተዛዘመ ካብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብተወሳኺ ንጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣገልግሎት ክህብ ዝክእል ምኳኑ ዝሓበሩ ድማ ሜዲካል ዳይሬክተር ለምለም ካርል ሆስፒታል ማይጨው ዶ/ር ኣክሊል ኣለማዮህ እዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *