እቲ ብኣምባሳደር ሚራስሎቭ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ እዋን ዑደት ምስ ነበርቲ እታ ጣቢያ ዘተ ዝገበሩ እንትኸውን ንመፍረያይነት ምህርቲ ዝኾኑ እታወታት ሕርሻ ንምሕጋዝ ቼክ ሪፐብሊክ ግደኣ ከምእትፍፅም እውን ኣምባሳደር ሚሮስሊቭ ኮሴክ ገሊፆም።
ነበርቲ ጣቢያ ሓየሎም ብወገኖም እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ከባቢኦም መፂኡ ዑደት ምስላጡ ዘተባብዕ ኮይኑ ሕዚ እውን መፍረያይነትና ንምብራኽ ዝምልከቶ ኣካል ኹሉ ዘመናዊ እታወታት ሕርሻ ማለት እውን ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ድኹዒ ዝተፈላለዮ ናይ ሕርሻ ኬሚካላት ሓገዝ ክግበረሎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።
