Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ጉጅለ መቐለ ኣትዩ

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ጉጅለ መቐለ ኣትዩ። ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ተገይርሉ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን ካብቶም ናብ መቐለ ካብ ዝኣተወ ጉጅለ ሓንቲ እየን። ምስ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ተቖፃፃሪ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካን ዘተ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኲናት ትግራይ ጠጠው ክብልን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ክፍረምን ዝዓዝዘ ግደ ምንባሮም  ይዝከር፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *