Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብብርኪ መራሕቲ ዝተገበሩ ዘተታትን ስምምዕነታትን ዘላቒ ረብሓ ሃገር ዘሐለዉ ኢዮም-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ካብ ሃገር ወፃእ ብብርኪ መራሕቲ ዝተገበሩ ዘተታትን ስምምዕነታትን ዘላቒ ረብሓ ሃገር ዘሐለዉ ኢዮም ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ዑደትን ዝተፈላለዩ ስምምዕነታትን ምፍፃሞም ውፅኢት ናይ ዝተሰርሐ ጠንካራ ህንፀት ሃገር ኢዩ ኢሎም።

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም እቶም መራሕቲ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ናይ ዝተሰርሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ውፅኢት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ብብርኪ መራሕቲ ዝተገበሩ ዘተታትን ስምምዕነታትን ዘላቒ ረብሓ ሃገር ዘሐለዉ ከምዝኾነየ ተዛሪቦም።

ፋና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *