ብሸኽ ሓጂ ሙሐመድ ኢብራሂም ቱፋ ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ዝመፀ ምስ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ተቋሪፁ ንዝነበረ ዝምድና ብኣካል ይቕረታ ንምሕታትን ደገፍ ንምግባርን ሙኻኑ ተገሊፁ እዩ ።
ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኲናት ብዘይምቅዋሙ ይቅረታ ምሕታቱ ስዒቡ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምተበፅሐ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ አደም ዓብደልቃድር ገሊፆም።
ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብወገኖም ብኲናት ዝባደመት ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሓገዙ ከምዘበርኽት ኣመላኺቶም።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ሙስሊም ምይይጥ ከካይዶ ትፅቢት ዝግበረ ኮይኑ ብተወሳኪ፣ ብኲናት ናብ ዝተመዛበሉን ብድርቂ ንዝተጠቅዑን ወገናት ድጋፍ ከምዝገብር ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
