እዙይ ዝተብሃለ ብምትሕብባር ፌደራል ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ኣብ ኩለ መዳይ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ዝተሰርሑ ስራሕትን ንቅድሚት ንዝስርሑ ስራሕቲ ኣንፈት ንምቕማጥን ህልው ኩነታትን ዓለሙ ንምርኣይ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ገምጋም እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ፅንተት ኩናት ዓመታት ሰፍ ዘይብል ፀገም ከም ህዝቢ በፂሑ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ፍረ ወይኒ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሐ በደል ግፍዕን ድማ ዝኸፍኣ ምዃኑ ገሊፀን።
እቶም ዝገጠሙና ፀገማት ብኣግባቡ ኣነፂርናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሐ ግፍዕን በደልን ከይድገም ንታሪኽ ንወለዶታት ክሓልፍ ድማ ይግባእ ክብላ ወ/ሮ ፍረ ወይኒ ገ/ሄር ገሊፀን።
ወ/ሮ ፍረ ወይኒ ብተወሳኺ ሎሚ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ እንትንዝትይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ናይ ህልውናን ድሕንነትን ሕቶ ኣብ ዝኣተዋሉ ኩነታት ኮይንና እናሰልጦ ዘለና መደረኽ እዩ ኢለን።
ሰላም ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘለዎ ትርጉም ፍሉይ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/እግዛብሄር ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢን ቃልስን ዝተኸተመ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተማልኣ መልክዑ ከይተሸራረፈ ክትግበር ይግባእ ኢልን።
ኣብ መወዳእታ ነቲ ሕዚ ገጢሞና ዘሎ ኩለመዳይ ፀገም ብምትሕግጋዝ ክንሓልፎ ይግባእ ክብላ ለበዋ ኣቕሪበን።
