ዝተዳናጎየ ስራሕቲ ምክፍፋል ስብኣዊ ሓገዝ፣ ዘኸትሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክንርኢ ኣይንደልን- ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ኣትሌቫ ካዲሊ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ኣትሌቫ ካዲሊ ዝመርሐኦ ጉጅለ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
ቴስዓ ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝደልን ብዓለም ለኸ ትካላት ውሃብቲ ስብኣዊ ሓገዝ ዝሽፈን ግን እቲ ዒስራ ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝኾነን ዝገለፁ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዛጊድ ካብ ዝተኻይደ መፅናዕቲ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልትን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ብርክት ዝበሉ ሰባት ብሰንኪ ስእነት መግቢ ይሞቱ ከምዘልዉ መርዳእታ ኣለና ብምባል ኣብ ሓድጋ ሞት ንዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ኩሉ ክሰርሕ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣብ ትግራይ ድሕሪቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻይደ ኲናት ፅንተት ኣብ ህፃናትን ነፍሰፆር ኣዴታትን ሕፅረት መግቢ ከም ዝተፈጠረን ብስንኪ’ቲ ዘጋጠመ ድርቂ’ውን እቲ ፀገም ተጋዲዱ ምህላዉ ተዓዚብና ኢና ዝበላ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ኢትሌቫ ካዲሊ ዝተዳናጎየ ስራሕቲ ምክፍፋል ስብኣዊ ሓገዝ ዘስዕቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ክንርኢ ኣይንደልን ብምባል ትካለን ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ንምቅላል ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣረዲአኖ።
