ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝተገልገላ ኣዴታት 72 ሚኢታዊ ንዝኸፈአ ሕፅረት ምግቢ ከም ዝተቓለዓን ከም ዉፅኢቱ እዉን ትሕቲ ክብደት ሓናጡ ብበዝሒ ይዉለዱ ከም ዘለው ኣመራርሓን ሰብ ሞያን መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ ኣፍሊጦም።
ንእስቲ ለተቻኣል ሃይላይ ትባሃል ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣብ ጣብያ ሕብረት እትነብር ኮይና ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ ወሊዳ ረኺብናያ ፡ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ስለ ዝተጠቐዐት ትሕቲ ክብደት ሕንጠይ ኣብ ሸዉዓተ ወርሒ ከም ዝወለደት ተዛሪባትና።
ካሊእ ካብ ጣብያ ሰላም ዝመፀት ኣብቲ ሆስፒታል ወሊዳ ዝረኻብናያ በረቀች ገ/ኣብሄር ዝተባሃለት ንእስቲ እዉን ኣብ እዋን ጥንሳ ብጥሜት ብምጥቃዓ ኣብ 7 ወርሒ ዝወለደቶም ማናቱ ደቃ ትሕቲ ክብደት ምዃኖም እያ ትገልፅ።
ኣብቲ መባእታዊ ሆስፒታል ብዓል ሞያ መዋልዳን ጉዕሽ ግደይ በቲ ሓደጋ ጥሜት ምኽንያት ትሕቲ ክብደት ሓናጡ ብበዝሒ ይዉለዱ ኣለው ድሕሪ ምባል እዚ ድማ እቲ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ጥኑሳት ኣዴታትን ዝዉለዱ ሓናጡን ዘብፀሖ ዘሎ ሳዓቤን ኣዝዩ ዝኸፈአ ምዃኑ እዮም ዝገለፁ።
ኣካያዲ ስራሕ መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ ኣይተ ግርማይ መርሻ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ዛጊድ ብዝገበሮ መፅናዕቲ 72 ሚኢታዊ ኣዴታት እታ ወረዳ ንዝኸፈአ ሕፅረት ምግቢ ተቓሊዐን ኣለዋ ኢሎም።
መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ ምስቲ ዘሎ ሰፊሕ ፀገም ህዝቢ እታ ወረዳ እኹል ግልጋሎት ምሃብ ተፀጊሙ ስለ ዘሎ ተወለድትን ፈተውትን ትግራይን ገበርቲ ሰናይን ሓገዝ ክገብሩ ድማ እቶም ሰብ ሞያ ተላብዮም።
