ብኵናት ልዕሊ 80 ምኢታዊ መንገዲታት ትግራይ ጉድኣት በፂሒዎ እዩ።
ሓላፊ በዓል መዚ መንገድታት ትግራይ ኢንጂነር ኣርኣያ ግርማይ ብፍሉይ ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕተት ከምዝገለፅዎ ብሰንኪ ጆኖሳይዳል ኵናት ትግራይ ኣብ ዘፈር መንገዲ ዝበፅሐ ከቢድ ጉድኣት ብቅልጡፍ ምፅጋንንምልማዕን ከምኡ እውን ሓረስቶት ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ጣብያታትን ከተማታትን ንምርኻብ ዘኽእል ስራሕቲ ይሳልጥ ኣሎ።
“ብሰንኪ ጆኖሳይዳል ኵናት ትግራይ ልዕሊ 80 ምኢታዊ መንገዲታት ትግራይ ጉድኣት በፂሒዎ እዩ” ዝበሉ እቶም ሓላፊከምኣብነት ድማ “44 ዓበይትን ኣናእሽተይን ደላድል ፈሪሶም፣ ኣስፋልት ብታንኪታት ተሓሪሱ፣ ብቁንቡላታት ተኳዒቱግልጋሎት ናብ ዘተዓነቕፋሉ ብርኪ በፂሑ ኣሎ” ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ፅገና ዘድልዮም መንገድታት ኣይተፀገኑን፣ ኣብ ከይዲህንፀት ዝነበራ ልዕሊ 70 ቢሊዮን ብር ፕሮጀክታት መንገዲ ህንፀቶም ተቋሪፆም፣ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ማሽነሪታት ተወሪሮምንዓንዮምን ምስ ጂቲቢ ክልተን ሰለስተን ኣብ ትግራይ ክህነፅ ዝግብኦ መንገዲ ከምዘይተጀመረን እዚ ድማ ካልእ መልክዕቁጠባዊ ዕንወት እቲ ወራር ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኢንጂነር ኣርኣያ፤ ድሕሪ ስምምዕ ሰላምፕሪቶሪያ ግን ብኵናት ጉድኣት ዝበፅሖ መንገድን ደላድልን ምፅጋንን ከምዝተጀመረድሕሪ ምሕባሮም ኣብ ወርቃምባ፣ ኣለማጣን ካልኦትን ዝርከባ ዓበይቲ ድልድላት ከምዝተፀገኑን ካብ ሮንድ ፈንድ ኢትዮጵያዝተረኸበ 107 ሚሊዮን ብር ድማ ሰለስተ ፕሮጀክታት መንገዲ እንትጮ፣ ዳዕሮ ሓፋሽን ዓዴትን ህንፀት ከምዝተጀመረተዛሪቦም።
ኣብ ዘፈር መንገዲ ዝበፅሐ ጉድኣትን ኣድላይነት መንገድን ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ በዓል መዚመንገድታት ከምዝተጣየሸ ዝሓበሩ ኢንጂነር ኣርኣያ እቲ በዓል መዚ ክሳብ ሕዚ በቢከባቢኡ ህዝቢን ሰራዊት ትግራይንብምስታፍ፣ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምዝርራብ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዝነበርናዮ ብርኪ ንምብፃሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።ክሳብ ሕዚ ድማ ብምትሕብባር ህዝብን ሰራዊት ትግራይን ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ዝተሳለጠ 20 ኪሎሜትር ልምዓት መንገዲን ካልኦትን ነቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መርኣያ ከምዝኾኑ ወሲኾም ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ 1983 ዓ/ም ደረጅኡ ዘይሓለየ 906 ኪሎ ሜትር ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ኢንጂነር ኣርኣያ ኣብ 30ዓመት ውሽጢ ብመንግስትን ህዝብን ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ብርክታት ዘለዎም ልዕሊ 6,300 ኪሎ ሜትር መንገዲ ከም ዝተሃነፁን ካብቶም መንገድታት ድማ ልዕሊ 80 ምኢታዊ ደረጅኦም ዝሓለዉ ከምዝነበሩን ካብዚ እቲ 80 ሚኢታዊ መንገድታት ትግራይ ብሰንኪ ቅሉዕ ወራር ፀላእቲ ዕንወት ከም ዝበፅሐን ኣዘኻኺሮም።
ነቲ ኣብ ዘፈር መንገዲ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብህፁፅ ንምፅጋንን ንምልማዕን መንግስቲ ፌደራል ንኽሕግዝ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሐ ኢንጂነር ኣርኣያ ኣፍሊጦም።
ወይን
