Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሰንኪ ዝረአ ዘሎ ውሽጣዊ ኣፈላላይ፣ ፀላኢ ኣብ ሞንጎና ኣትዩ ድሌቱ ከይገብር ኣፈላላይና ብዝሰልጠነ መንገዲ ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ።

                        ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ህዝቢ ዓብይ ዓድን ከባብኣን ኣብ ዘካየድዎ ዘለው ህዝባዊ ዘተ ዛጊድ ካብ ዘልዐልዎም ተወሰኽቲ ነጥብታት ድማ ፡

★ ዕላማ እዚ መድረኽ ምስ ህዝብና ሓሳባት እንለዋወጠሉ፣ ሕቶታት ህዝቢ ሰሚዕና እሂንምሂን እንበሃሀለሉን መድረኽ እዪ።

★ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሒዝዎም ካብ ዝተበገሱ ዕማማት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ፣ዝዓነው ትካላት ሃኒፅካ ስራሕ ክጅምሩ እንትኸውን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዘለዎ ኮይኑ ብሰንኪ ውሽጣውን ግዳማውን ፀገማት በቲ ዝድለ ክኸይድ ኣይከኣለን።

★ ማሕበራዊ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ካልኦት ፅቡቃት ጅማሮታት ኣለው።

★ ግዳያት ኩናት ዝኾና ደቂ ኣንስዮ፣ጉድኣቲ ኩናት፣ስድራ ስውኣት ዝምጥን ክብሪን ኣፍልጦን ክረኽቡ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣለው ተጠናኺሩ ክቅፅል እዪ።

★ ኣብዚ መኸተ ዝተሳተፈ ሓይሊ ኣብ ዳግመ ምጥያሽ ኽሕቆፍ፣ ኣካል ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክኸውን ይስራሕ ኣሎ።

★ ኣብ ምርግጋፅ ፍትሒ፣ፀጥታ፣ ልምዓትን፣ምዕሟቅ ሰላምን ብዝተወደ መልክዑ ንምፍታሕ እናተሰርሐ እዪ።

★ ባህጊ ሰላም ህዝብና ዝፍለጥ እዪ ይኹን እምበር ሐዚ እውን ብዝተዋደደ መልክዑ ብዘይምስርሑ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ኣለው።

★ ፀገማት ፀጥታ ህዝቢ ዝፍትሑ ኣብ ዝኮነ ይኹን ብርኪ ዘሎ መሪሕነት ህዝቢ ኣሳቲፋ ስራሕቲቱ እንትዓምም እዪ።

★ ኩሎም ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ሪፎርምታት የድሊ መሪሕንት ንምቅያር ዘይኮነስ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ
ፓለቲካ ትግራይ ንምዝማንን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ንምግባርን ህዝቢ ኣሳቲፍካ ንምስራሕ ጅማሮ ኣሎ ግን ብሓንቲ ለይቲ ዝውገን ኣይኮነን

★ ሚድያታት ኩሉ ዓይነት ኣተሓሳስባታት ዘተኣናግዳሉ ህዝቢ ዝተፈላለዪ ሓሳባት ሰሚዑ ይኾነኒ እዪ ዝበሎ ዝመርፀሉ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

★ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኩሎም ውድባት ሓሳባቶም ተሰሚዑ ህዝቢ ይኮነኒ እዪ ዝበሎ ሓሳብ ዝመርፀሉ ስልጡን ፓለቲካ ንምህናፅ ይስራሕ ኣሎ

★ ምስ ተመዛብልቲ ምምላስ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣለው ሙሉእ ብሙሉ ዕውት ስራሕ ኣይተሰርሐን ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ ዝብሉ ይርከብዎም ።

እቲ መድረኽ ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ ፡ ተወሰኪ ሓበሬታ ክነስዕብ ኢና ።

ሃይላይ ታደለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *