Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሰንኪ እቲ ቅሉዕ ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ዝጥምት ሰልፊ ክሳለጥ እዩ።

እቲ 15 ግንቦት 2015 ኣብ ብዙሓት ከባብታት ትግራይ ዝሳለጥ ሰልፊ፤ ተመዛበልቲ ወገናት ዘለውሉ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝገልፅን ፀገማቶም ንክፍታሕ ዝፅውዕን ክኸውን እዩ።

ብሰንኪ እቲ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዘ ተመዛበልቲ ኣብ ከቢድ ጥሜትን ሕማምን ከምዝርከቡ ብዘላቕነት ፀገማቶም ንክፍታሕ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ብግዘ የለን መንፈስ ልዑል ርብርብ ክግበር ፃውዒት ዝቐርበሉ ሰልፊ ከም ዝኸውን እውን ተመልኪቱ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ቅሉዕ ኲናት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ወገናት ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም እውን ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ምህላዎምን ፀገማቶም ንክፍተሐሎምን ተደጋገምቲ ፃውዒታት ከቕርቡ ምፅንሖም ዝዝከር እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *