እዚ ዝተገለፀ ትካል ገባሪ ሰናይ ወርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ንዝርከቡ ኣዝዮም ፅጉማት ንዝኾኑ ሓረስቶት ሓገዝ ሙሩፅ ዘርኢ ስርናይ ኣብ ዘከፋፈለሉ እዋን እዩ።
ተጠቀምቲ እቲ ዕድል 245 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 630 መራሕቲ ስድራ ከምዝኾኑ ዝገለፃ መተሓባበሪት ትካል ገባሪ ሰናይ ወርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወይዘሮ ዛፉ ገብረህይወት ፀገም ሓረስታይና ንምፍታሕ እንገብሮ ሓገዝ ዝያዳ ክነጠናኽር ይግባእ ኢለን።
እቲ ትካል ዛጊድ ንልዕሊ 1830 መራሕቲ ስድራ ልዕሊ 549 ኩንታል ሙሩፅ ዘርኢ ከምዝዓደለን ንቕድሚት እውን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉን እተን መተሓባበሪት ገሊፀን።
ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ዝኾኑ ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ብግደኦም ፀጋታት ከባቢኦም ተጠቂሞም እቲ ዝተውሃቦም ሙሩፅ ዘርኢ ብኣግባቡ ዘርኦም ከምዘሰስንዎን ሓቢሮም።
ድወት
