Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ደገፍ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ገይራ

መንግስቲ ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ደገፍ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ገይሩ።

እቲ ደገፍ ብቀይሕ መስቀል ብሪታንያን ቀይሕ መስቀል ኔዘርላንድስን ኣቢሉ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣተሓላልዋ ጥዕና፣ ፅሩይ መስተ ማይን ኣተሓላልዋ ንፅህናን ጠመተ ንዝገበሩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕል
ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሰነድ ስምምዕነት መፈፀሚ እቲ ፕሮጀክት፥ ፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣበራ ቶላን ኣምባሳደር ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልሽን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ፓውንዱ ብገንዘብ ዝተረፈ ድማ ብቴክኒክ ደገፍ ዝግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ልዕሊ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ተወሳኺ ነቲ ፕሮጀክት ንምሕጋዝ ዘገልግላ 10 ተሸከርከርቲ ደገፍ ተገይሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *