ኣብቶም ዝተኻየዱ መድረኻት ቃልሲ ናብ ዓወት ክበፅሑ ዝኸኣሉ ድማ ከቢድ ዋጋ እናተኸፈሎም ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ማሕበርና ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ እውን ብግዱሳት ደቂ ስውኣት ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ደቂ ስውኣት ባዕሎም ንባዕሎም ዝፈትሕሉ ኩነታት ንምፍጣርን ታሪኽ ወለዶም ተሰኒዱ ፣ ተዓቂቡ ንውሉድ ወለዶ ክሰግርን ክሰርፅን ዓሊሙ ብ 2010 ዓ/ም ዝተጣየሸ ማሕበር እዩ፡፡ ለካቲት 11 ድማ ኣካል ዕላማ ማሕበርናን ክዕቀቡን ክኽበሩን ካብ ዝግበኦም ዓበይቲ በዓላት ሓደን ምንጪ ሓድነትናን ኮይኑ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ከኽብሮ ዝግባእ በዓል እዩ።
11 ለካቲት እንትነኽብር ብሳዕሲዕትን ጓይላን ጥራሕ እንተይኮነስ ምእንቲ ህላወ ዓድን ህዝብን ክብሉ ዝሓለፉ ስውኣትና ብምዝካር ፣ ስውኣትና ዝሓደጉልና ሓደራ ብምፍፃምን ስድራ ስውኣትና ብምሕጋዝን ከምኡ እውን ምእንተ ትግራይ ክብሉ ኣካሎም ዝጎደሉ ጀጋኑ ውጉኣት ተጋደልቲ ኣብ ጎኖም ብምዃንን ክነኽብሮ ይግባእ። ብውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ተነፃፃሪ ሰላም ዓቂብና ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ብጣዕሚ ከርፋሕ ሂወት ኣብ ኬንዳ ኮይኑ ስቓይን መከራን ዘሕልፍ ዘሎ ዝተመዛበለ ህዝብና ፀጥትኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስን ኣብ ውሽጢ ብወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ዘሎ ቦታ ዝርከብ ህዝብናን ሓራ ወፅዩ ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ክረጋገፅን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብሽም ለካቲት ቃሉ ከሐድስን ንፅውዕ።
ብፍላይ ትግራይ ሐዚ ዘላቶ ህልዊ ኩነታት ብምርዳእ ትማሊ ኣብቲ ሕማቕ ግዜ ሓደ ኮይንኩም ከምቲ ንፀላኢ ኣብ ምምካት ናብ ዓወት ዝበቓዕኹምን ናይ ባዕልኹም ዓሸራ ዘቕመጥኩምን ህሉዋት መራሕትና ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣፈላላይኩም ህዝቢ ሓድነቱ ይዝረግ ስለዘሎ ካብዚ ስራሕ ብምቑጣብ ናብ ስልጡን ፖለቲካዊ ኩነታት ክትፈጥሩን ኣብ ናይ ሓባር ኣጀንዳ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት 11 ለካቲት ሓድነትኩም ክተስጥሙ ደኣ እምበር ኣብ ክልተ ኣዳራሽ ኮይንኩም ታሪኻዊት ዕለት 11 ለካቲት ክተኽብሩ ኣይግባእን።
ወለድና ትማሊ ዝኸፈልዎ መሪር መስዋእቲ እኮ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን እምበር ምእንቲ ስልጣን ኣይኮነን እሞ ካብ ንሕንሕ ስልጣን ወፂኹም ኣብ መወፅኦ ትግራይን ረብሓን ህዝብን ኣቐዲምኩም ክትሰርሑን ከምቲ ኣብ ቃልሲ ተጋሩ ሓደ ኾይንና ፀላእትና ዝመከትና ሐዚ እውን ሓድነትና ብምጥንኻር ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ዓቂብና ብፀላእቲ ተወሪሩ ዘሎ ቦታና ክምለስ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክፍፀም ሓቢርኩም ክትሰርሑን ክንሰርሕን ይግባእ።
ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና !!
ድምቀት ንመበል 50 ዓመት በዓል 11 ለካቲት !!
ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ
10 ለካቲት 2017 ዓ/ም
መቐለ : ትግራይ !
