ዑደት መሰረተ ልምዓት !
ብምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ዝምራሕ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣካላት ኣመራርሓ ዞባን ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት እናተዘዋወረ ተዓዚቡ።
ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ካልኦት ኣመራርሓን ዑደት ኣካይደምሉ ዘለው መሰረት ልምዓት ብልዕሊ ሓደ ሚኢት ሚልዮን ቅርሺ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ምንፃፍ ፅሩብ እምንን ፀረጋ መንገድን ኮይኖም ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ ብክብሪ ዝተመለሱ ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን ኣብ ክሊ ስራሕ ዘጓንፎም ዘለው ፀገማት ድማ አብ ዝተወሰኑ ሳይታት እናተንቀሳቐሰ ኣዘራሪቡ እዩ።
ኣብቲ እዋን ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረሎም ኣካላት ከም ዝበልዎ ንዝተፈጠረሎም ዕድል ስራሕ ብምምስጋን ኮይኑ ግና ሐዚ ምስ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዝጥቀምሎም ዘለው እታወታት ካብ እዋን ናብ እዋን ኣዝዮም ይኸብሩ ስለ ዘለው ንኪሳራ ከይቃልዑ ስግኣት ከም ዘለዎም ኣረዲኦም።
ድሕሪ እዚ ብጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ዝምራሕ ላዕለዎት ኣካላት ኣመራርሓ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ገንፈል ቁሸት ቆሪር ዝርከብ ግድብ ፤ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝመልአ ደለል ብሰንኪ ዘይምፅራጉ እቲ ግድብ ማይ ከይሓዘ ከም ዝደረቐን ከም ሳዕቤኑ በቲ ግድብ ይለምዕ ዝነበረ ልዕሊ 140 ሄክታር መሬት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ዝርዝር መብርሂ ተዋሂቡዎም እዩ።
ስለ ዝኾነ ተወለድትን ፈተውትን እቲ ከባቢ ነቲ ፀገም ንምቕራፍ ውሱን ምንቅስቃስ ጀሚሮም ዋላ እንተሃለው ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ዘላቒ መፍትሒ ንክመፅእ ክሕግዞም ፀዊዖም እዮም።
ኣብ መወዳእታ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ግድብ ቆሪር ድሕሪ ምድራቑ በቢ ውልቀኦም ዒላ ኩዒቶም ስራሕቲ መሰኖ ዘሳልጡ ዘለው ሞዴል ሓረስቶት እውን እናተዘዋወሩ ተዓዚቦም እዮም።
