Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብምክትል ኣፈጉባኤ ፓርላማ እስራኤል ሞሼ ሰሎሞን ዝተመርሐ ሹዱሽተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል መቐለ ኣትዩ ።

ፕረዝደት ጌታቸው ረዳ ፡ ሎሚ ምስ ብኣባል ክነሰት ሞሸ ሶሎሞን ዝምራሕ ልኡኽ ባይቶ እስራኤል ኮሚቴ ምሕዝነት ኢትዮጵያን እስራኤልን ዕውት ዘተ ምክያዶም ሓቢሮም ።

ፕረዝደት ጌታቸው ረዳ ከም ዝሓበርዎ ብኣባል ክነሰት ሞሸ ሶሎሞን ዝምራሕ ልኡኽ ባይቶ እስራኤል ኮሚቴ ምሕዝነት ኢትዮጵያን እስራኤልን ኣብ ኩለመዳያዊ ክልቲኣዊ ምሕዝነት ዘጠናኽር ስራሕቲ ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎ ጉዳያት ትኩረት ዝገበረ ዘተ ምንባሩ ገሊፆም ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዑደት ምስ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂ ፡ ህፁፅ ረድኤት፣ ካልኦት ነገራትን ንምድህሳስ ዝዓለመ ምይይጣትን ተግባራዊ ዑደት ከካይድ’ዩ ኢሎም ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ከም ኣካል ተልእኾኡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ብምርኻብ ኣብ ገለ ክፋል ትግራይ ዑደት ከካይድ ሙኻኑ እውን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ “X” ዘካፈልዎ ሓበሬታ የመላኽ ።

ብምክትል ኣፈጉባኤ ፓርላማ እስራኤል ሞሼ ሰሎሞን ዝተመርሐ ሹዱሽተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል መቐለ ኣትዩ ።

ዕላማ እቲ ዑደት ርክብ እስራኤልን ትግራይን ንምጥንኻርን ህፁፅ ሓገዛት ንምሃብን ከምኡ እውን ኣብ ዓውድታት ሕርሻን ሕርሻን ቴክኖሎጂን ሓገዛት ክገብሩ እዮም።

እቲ ጉጅለ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተራኺቡ ከምዝዝቲ ተፈሊጡ።

ኣብ ምቕራብ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምጥንኻር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከምኡ ድማ ኣብ ፀዓት (ሶላር)፣ ሕርሻን ቴክኖሎጂን እስራኤል ንትግራይ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል ዘተ ትኹረት ሂቦም ክመኽሩ እዮም።

ነዚ ጉጅለ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣቀባብላ ዝተገበረሉ ኮይኑ ዓዲ ዳዕሮ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ እውን ዑደት ከካይድ ትፅቢት ይግበር ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *