Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ!

ማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት ኣብ ኣጠቓላሊ ኩነታት ውድብ ህወሓት ኣመልኪቱ 10 ግንቦት 2015 ዓ/ም ንሚድያታት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ፡፡ ህወሓት ወፅዓ ህዝቢ ትግራይ ዝወለዶ፣ ቅኑዕን ህዝባውን ዕላማ ሒዙ ዝተልዓለ፣ ብመሪር ቃልስን መስዋእትነትን ዝዓበየን ካብ ጠንካራን ለባምን ህዝቢ ትግራይ ዝተወለደ፣ ህዝቢ ትግራይ ሓብሒቡ ዘዕበዮ ዉድብ ምዃኑ ኣፍቲ መግለፂ ሓቢሩ፡፡

እቲ ብኣቦ መንበር ማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት ኣይተ ተኽለብርሃን ኣርኣያ ዝተውሃበ መግለፂ ከምዘረድኦ፣ ህወሓት ብንእሽተይ ዓቕሚ ፈሊሙ ግን ገዚፍ ዕላማ ብምሓዙ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሸፋቱ እንተይተረፈ ሓቢኡ ዘዕበዮ ውድብ እዩ፡፡ ህወሓት ናይ ውልቀ ሰባት ርስቲ እንተይኮነስ ምእንተ ህዝባዊ ዕላማ ልእሊ 60 ሽሕ ዝኾኑ ሃርበኛታት ተጋደልቲ መስዋእቲ ዝኸፈልሉ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣካሎም ዝጎደልሉ እዩ ዝበሉ ኣይተ ተኽለብርሃን፣ ህዝቢ ትግራይ ናይዚ ውድብ በዓል ዋና ምዃኑ እውን ገሊፆም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ሃይማኖቱ፣ ፆትኡ፣ ዕድሚኡን ከባቢኡን ብዘየገድስ ከምሓደ ሰብ ክስለፍ ዝገበረ ውድብ ብምዃኑ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብታሪኽ ኣጋጣሚ ፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላት እዮም ድማ ኢሎም፡፡

“ህወሓት” ዝብል ሽም ዘይኮነስ ብድሕሪ እቲ ሽም ዘሎ ዕላማ እዩ ወሳኒ ዝበሉ ኣይተ ተኽለብርሃን፣ መንፈስ ፀረ ወፅዓን ምዝመዛን፣ ፃምእ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ሰላም ዘተኣኻኸቦ፣ ባህጊ መፃኢት ትግራይ ሒዙ ንመዋእሉ ዝተቓለሰ ሓይሊ ከምዝኾነ ጠቒሶም፡፡ ኣስዒቦም፣ ህወሓት ዝደክም ወይ ዝጠፍእ እዚኦም መትከላቱ እንተጠፊኦምን እንተተዳኺሞምን ጥራሕ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ዓብዪ ቦታ ዘለዎ እዩ፡፡ ድሕሪ ኣማኢት ናይ ፀልማት ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ብርሃን ክርኢ ዝገበረ፣ መሰረታዊ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ለውጢ ዘመዝገበ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነቐሐን ዝተወደበን ሓያል ማሕበራዊ መሰረት ዝሃነፀ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ናይዚ ሐዚ ቃልሲ እውን ርሾ ክኾኑና ዘኽኣለ ውድብ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፡፡
ጠንካራ መንነት ተጋሩ ብተግባር ንኽርአ ዝመርሐ፣ ኣይስገሩን ዝተብሃሉ ፈተናታትን ብድሆታትን ክሰግሩ ዝኽእሉ ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕትን ኣባላትን ዝፈጠረ፣ ዋላ ኣብቲ ናይ ሐዚ ናይ መኸተ ቃልሲ እውን ሓመድ ልሒስካ ምልዓል ከምዝከኣል ዝተርኣየሉ ፅንዓት ፍርያት ናይ ህወሓት እዩ ክብሉ ኣይተ ተኽለብርሃን ኣብሪሆም፡፡ ነዚ ውድብ እዚ ዓለም ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝፈልጦ ካብ ሓደ ንእሽተይ ቦታ ወይ ጫፍ ተላዒሉ ግን ኩሉ ዓለም ንህወሓትን ንህዝቢ ትግራይን ክፈልጦ ዝገበረ እዩ ድማ ኢሎም፡፡

“ፀላእቲ ንህወሓት ኣናኢሶም ወይ ኣቃሊሎም እንተዝርእዩዎ ክሳብ ክንድዚ ኣይምተረባረቡሉን፡፡ ምኽንያቱ ህወሓት ኣናኢስካን ኣቃሊልካን ካብ ዘይርአ ህዝቢ ዝተወለደ ቦኽሪ ውድብ ስለዝኾነ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ተኽለብርሃን፣ ህወሓት ቦኽሪ ውላድ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ናይ ህወሓት ይኹን ናይ ህዝቢ ትግራይ ቃልሲ ዘኹረዐና እምበር ዘሕፍረና ኣይኮነን፡፡ ይትረፍ ንሕና ዓለም ዝግረመሉ ታሪኽ ዝፈፀመ ስለዝኾነ ኢሎም፡፡

ነዚ ከምመበገሲ ዝተንተኑ ኣይተ ተኽለብርሃን፣ ህልዊ ኩነታት ውድብ እንታይ ከምዝመስል እንትገልፁ ድማ፣ ህወሓት ኣብ ጉዕዝኡ ብዙሓት ጠንካራ ጎንታት ነይሮምዎ፤ ኣለውዎ፡፡ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ድኽመታት ኣለውዎ፡፡ ህወሓት መላእኽቲ ዝተኣከብሉ ኣይኮነን፡፡ ናይ ሰባት ውዳበ እዩ፡፡ ሰባት ድማ ብተፈጥሮኦም ምሉኣት ኣይኮኑን፡፡ ጌጋታት ክሰርሑ ድኽመታት ክህልዉዎም ግድን እዩ፡፡ ህወሓት እውን ኣብ ጉዕዝኡ ድኽመታት፣ ውድቀታት እናጋጠምዎ እናወደቐን እናተስአን ክሳብ እዚ መዋእል ዝመፀ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ህወሓት ቅድሚ ሐዚ ንከይጋገ ብዝንባለ ደረጃ ኣቐዲሙ እናንበበ ኣቐዲሙ ይከላኸል፣ ዘይፈለጦም ወይ ካብ ቁፅፅሩ ወፃኢ ዝኾኑ ፀገማት እንተጋጥሙ ድማ ገምጊሙ ቀልጢፉ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ወሲዱ ተጠናኺሩ ይቕፅል ምንባሩ ዝገለፁ ኣይተ ተኽለብርሃን፣ ኣብ ዘለናዮ ጭቡጥ መድረኽ ህወሓት ድኽመት ምስርሑ ወይ ጌጋታት ምፍፃሙ ዘይኮነስ ተመሳሰልቲ ጌጋታት ይደጋገሙን መፍትሒ ይስእኑን ምህላዎም ዝኸፍአ ሓደጋ እዩ ኢሎም፡፡ ኣቐዲምካ ንሓደጋታት ምንባብ የለን፣ ተደጋጋሚ ውድቀት የጋጥም፣ ሳዕቤኑ ይገዝፍን፣ እዚ ድማ ብመከራ ህዝብና ይሽረፍ ኣሎ ክብሉ ድማ ኣብሪሆም፡፡

ሐዚ ኣብ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸን ከቢድ ኩነታትን ከምዘለና ዝገለፁ ኣይተ ተኽለብርሃን “ህወሓት ምስህዝቢ ትግራይ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ድኽመት ምስቲ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ እዩ፡፡ ንሱ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክንደየናይ ንቀርኒ ኣፍሪካ የናግዕ ከምዘሎ ንሪኦ ኣለና፡፡ ስለዚ ኣቃሊልካ እቲ ፀገም “ናይ ህወሓት እንድዩ ወይ ህወሓት ይጥፋእ” ወዘተ ኢልካ ዝውሰድ ነገር ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ዝተኣሳሰረ፣ ይትረፍ ናይ ትግራይ ውድብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት እውን ንቀርኒ ኣፍሪካ ዘናግዕ ብምዃኑ እቲ መሪሕነት ነቶም ዘለው ፀገማት ንምስትኽኻል ብብቕዓት ክቃለስ ኣለዎ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

“ሐዚ ውድብና ኣብ ዝተሓላለኸን ከቢድ ኩነታትን ይርከብ፡፡ ንሕና ቀልጢፍና ክነስተኻኽሎ ኣይከኣልናን፡፡ ኣብቲ ውድብ ዝራኣዩ ፀገማት ብሓፈሻ ናይቲ ውድብ እኳ እንተኾነ ናይዚ ቁልፊ ድማ እቲ መሪሕነቱ እዩ፡፡ ንሕና ከምኣካል ኮሚሽን ቁፅፅር ናይቲ ዓወትን ድኽመትን ተኻፈልቲ ኢና፡፡ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት፣ ውድብ ናብዚ ሓደጋ እዚ ከይኣቱ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናገበረ መፂኡ እዩ፡፡ እቲ ሓደጋ ምስኣጋጠመ እውን ሳዕቤኑ ንምቕናስ ፃዕሪ እናገበረ ዝመፀ እኳ እንተኾነ ውፅኢቱ ግና ኣይሰለጠን” ክብሉ ኣይተ ተኽለብርሃን ኣብ መብርሂኦም ጠቒሶም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ላዕላዋይ ኣመራርሓ ውድብ ተኣኪቡ ነቲ ኩነታት ሪኡ መፍትሕታት ክእልሽ ነቲ መሪሕነት ዕዮ ገዛ ሂቡዎ ምንባሩ ወሲኾም ዘዘኻኸሩ እቶም ኣቦመንበር ማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት፣ እንተኾነ ግን ክሰልጥ ከምዘይከኣለ ተዛሪቦም፡፡ ንናይ ውድብና ፀገም መፍትሒኡ ኣባና እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣባላት ብዝግባእ እንተተቓሊስና ዘይንፈትሖ ፀገም ስለዘየለ ኩሉ ኣባል ህወሓት ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ፈሊጡ ካብዚ ኩነታት እዚ ንውድቡ ከናግፍ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንህዝቡ ካብ ፀበባ ከድሕን እቲ ኮሚሽን ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ብሽም ምንጋዕን ምፍራስን ህወሓት ኣቢልካ ህዝቢ ትግራይ ንምፍራስን ንምንጋዕን ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት ተጠናኺሩ ቀፂሉ ስለዘሎ ኣባልናን ህዝብና ነዚ ፈሊጡ ብትሪ ክኹንኖን ክቃለሶን እውን ፀዊዖም ኣለው፡፡

ኣብቲ ውድብ ብዋናነት ሐዚ ዘገድሱና ውድብና ኣብ ታሪኹ ዝፍለጠሉ ግልፂ ኣካይድኡ እዩ ዝበሉ ኣይተ ተኽለብርሃን፣ “ናይ መሪሕነትና ኣካይዳ ኣባልን ህዝብን ብዝፈልጦ ግልፂ ኮይኑ እዩ ዝኸይድ ነይሩ፡፡ ኣባልን ህዝብን ኣብ ኣካይዳ እቲ መሪሕነት ግልፂ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ነዚ ብኣብነት እንትገልፁ ድማ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሽም ህወሓት ዝተፈረመ ውዕሊ እዩ፡፡ እቲ ዝርርብ ከመይ ተመሪሑ? ሐዚ እቲ ውዕል ከመይ ይቕፅል ኣሎ? ዝብል ኣብቲ መሪሕነት ግልፅነት የለን፡፡ ካልኣይ ኣብቲ ውዕሊ ሳልሳይ ወገን መደራደርቲ ነይሮም ሐዚ ግን ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ? ንምንታይ? ትግራይ ብውዕላ ትፍፅም ኣላ፣ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ከቢድ ብረት ይፍታሕ ተባሂሉ ፈቲሑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ይቀመጥ ተባሂሉ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ ልፍንታውያን ወረርቲ ግን ክሳብ ሐዚ ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣይወፁን፡፡ ዝተመዛበለ ህዝብና ክሳብ ሐዚ ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን፡፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ቀረብ መድሓኒትን ብዘይገደብ ክኣቱ ይግብኦ ነይሩ ግን ኣይትግበርን ዘሎ፡፡ ንምንታይ? ግዝያዊ መንግስቲ ይመስረት ተባሂሉ ተመስሪቱ ኣሎ፡፡ ስለዚ ብወገን ትግራይ እቲ ክትገብሮ ትኽእል ትገብር ኣላ፡፡ እቲ ኻሊእ ወገን ግን ነቲ ውዕሊ ብኣግባቡ ኣይፈፀመን፡፡ ንምንታይ? እቶም ዝገለፅናዮም ነገራት ምስተፈፀሙ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ፖለቲካዊ ዘተ ክጅመር እዩ እቲ ውዕሊ ዘቐምጥ፡፡ ሐዚ ግን እዚ ጉዳይ ድምፁ የለን፡፡ የግዳስ ካልኦት ሽርሕታት እዩ ዝቕፅል ዘሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚኦም ፍታሕ ክመፅእ እንተኾይኑ ኣካይዳ መሪሕነትና ግልፅነት ክህሉዎ ንፅውዕ፡፡ ኣባልናን ህዝብናን እውን ኣካይዳ እቲ መሪሕነት ግልፅነት ንኽህልዎ ክደፍእ ኢና ንፅውዕ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ወይን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *