ብሚንስተር ዲኤታ ዶ/ር ሳሙኤል ክፍለ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ፌዴራል ኣብ ዙርያ ኩነታት ትምህርቲ ትግራይ ንምዝታይ መቐለ ኣትዩ።
ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓትን ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት፣ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ፣ፕረዚዳንት ዩኒቨርቲ መቐለ ዶ/ር ፋና ሓጎስ፣ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዶ/ር ዛይድ ነጋሽን ካልኦት ኣመራርሓን ኣቀባብላ ጌሮምሉ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ቢሮ ትምህርትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ትግራይ ተራኺቡ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝዓነወ ስርዓት ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝኽእሎ ዕማም ክዝቲ ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ሓቢሮም።
በዚ እዉን ከም ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትግራይን ድሕሪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ሐዚ ዝርከብሉ ጭቡጥ ብርኪ ዕንወትን መብርሂ ከም ዘቕርባን ነዚ መፍትሒ ብምቕማጥ ድማ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ስራሕቲ ክዝተየሉ ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ ዝተመረፃ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርስቲ መቐለን ተዘዋዊሩ ክዕዘብ ኢዩ ።









