Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሚኒስትር ሚንስቴር ፕላንን ልምዓትን ፌደራል ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ ኣዴላ ዝምራሕ ልኡኽ ንዕላዊ ስራሕ ዑደት መቐለ ኣትዮ::

ብሚኒስትር ሚንስቴር ፕላንን ልምዓትን ፌደራል ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ ኣዴላ ዝምራሕ ልኡኽ ንዕላዊ ስራሕ ዑደት መቐለ ኣትዮ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣበነጋ እንትበፅሕ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ጀነራል ፃድቃን አቀባብላ ተገይሩሉ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ጀነራል ፃድቃን ኣብ ልዕሊ፡ትግራይ ዝተኻየደ ፅንተታዊ ኩናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ከቢድ ምዃኑ ብምሕባር ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ ብወገነን በቲ ኩናት ዝበፅሐ ኩለ መዳይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንምስላጥ ኣብ ሃገራዊ ትልሚ ከምዝተኻተተ ገሊፀን ።

እቲ ልኡኽ ናብ ትግራይ ዝመፅእሉ ምኽንያት ድማ ብሓበር ንምስራሕ ዘኽእል ትልሚ ንምሕንፃፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓላፊት ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶ/ር ሃንሳ ተኽላይ በቲ ኮሚሽን ዝተተለሙ ስራሕቲ ዝቐረበ እንትኾን ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ዘተ እናካየዱ እዮም ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተፈላለዮ ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም እዮም ።

ፈይሰል ሙስጦፋ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *